ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ውሳነ ኣሕሊፉ


ኣብ ናይ ኣሜሪካ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ንውሳነ H.R.445 ብምምሕያሽ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀመ ኩሉ ህውከትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ብምኹናን ኣብ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ይሳተፉ ንዘለው ኩሎም ተዋጋእቲ ተፃብኦታት ደው ከብሉ፣ሰብኣዊ መሰላት ከኽበሩን፣ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ክሓልፍ፣ተኣማንነት ዘለዎም ተግባራት ጭፍጨፋ እንተሃሊዮም ብገለልተኛ ምርመራ ክፃረዩ ምትሕብባር ክገብሩን ክብል ዝሓለፈ ሓሙስ ፀዊዑ ኣሎ።

እቲ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ ኣባል ቤት ምኽሪ ካረን ባስ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ፣ነዚ ብዓሌት፣ፖለቲካን ታሪኽን ዝተሓላለኸን ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ግጭት: ሰላምን ኣብ ልዝብ ዝተመሰረተ መፍትሒን ክመፅእ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ከምዝመርሕ ገሊፀን።

ንሰን ኣብ ክልል ትግራይ ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝጀመረ መጥቓዕቲን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ግብረ መልስን ስዒቡ እቲ ግጭት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰፊሑ።ኣካይዳ እንተድኣ ዘይተቐይሩን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ እንተድኣ ዘይተፈፀሙን እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ክሰፊሕ እዩ ኢለን።

ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣባል ቤት ምኽሪ ሳራ ጃኮብ ንዝርከብኦ ልኡኽ መሪሐን ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዘን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ውድባት ሰብኣዊ ረድኤት፣ስቪል ማሕበረሰብ፣መናእሰይን ካልኦት ተራኺበን ምዝርራበን ገሊፀን።

‘’ነዚ ግጭት ወታሃደራዊ ፍታሕ ኣይህልዎን ዝብል እምነት ኣለኒ፤እታ ሃገር ትስበር እያ ዘላ ብዘይካ ሃገራዊ ልዝብ ናብ ዝገደደ ፀገም ክትኣትው እያ’’ኢለን።ኢትዮጵያ ካብ ምምሕዳር ኣመሪካ እገዳ ናይ ምንባር ሓደጋን እቲ ግጭት እንተድኣ ቀፂሉ እታ ሃገር ካብ ኣመሪካ ትረኽቦ ዝነበረ ቐረፀ ናይ ዘይምኽፋል ረብሓ ንሓደጋ ክቃላዕ እዩ ክብላ ስኽፍትአን ገሊፀን።

XS
SM
MD
LG