ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሩንዲ ብዝተላዕለ ባርዕ 38 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዋና ከተማ ብሩንዲ ቡጁምብራ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ማእሰርቲ ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ 38 እሱራት ምሟቶም ሰበስልጣን ብሩንዲ ገሊፆም።ንቃለ መጠይቕ ፍቃደኛ ዘይኾነ በዓል ስልጣን ብናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ሰበስልጣን ብቅልጡፍ ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እሱራት ክድሕኑ ክኢሎም ኣለው ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ማሕብረሰባዊ ምዕባለን ውሕስነት ህዝብን ሜጀር ኩሩኪየ ፒየረ እቲ ባርዕ እቶም እሱራት ኣብ ውሽጢ ክፍሎም ናይ ኤሌክትሪክ ኬብላት ንምርጋሕ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝተልዓለ ሓቢሮም።

ንድምጺ ኣመሪካ ቃሉ ዝሃበ መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ብሩንዲ ኣጋቶን ርዋሳ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ኣብቲ ቦታ ዝበፅሐ እቲ ባርዕ ምስተልዓለ ድሕሪ ክልተ ስዓታት እዩ ኢሉ።ርዋሳ ብምውሳኽ ኣብያተ ማእሰርቲ ብሩንዲ ዝተፀቓቐጡ እዮም ኢሉ።እቲ ቤት ማእሰርቲ ን300 ሰባት ዝሕዝ ኮይኑ ከምዝተሰርሐን ባርዕ ሓዊ ኣብ ዝተልዓለሉ ግዜ ልዕሊ 1,300 እሱራት ሒዙ ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG