ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ “ፓርክ ሓድነት’’ ተመሪቑ


ኣብ ውሽጢ ዓብዪ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ “ፓርክ ሓድነት’’ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ሓሙስ ተመሪቑ፡ንህዝቢ ክፉት ክኸውን እውን ትፅቢት ይግብር።

ካብ ዳግማዊ ሓፀይ ምኒሊክ ክሳብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዘለው መራሕቲ ንልዕሊ 130 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዘመሓደርሉ ካብዚ ዓብይ ቤተ መንግስቲ እዩ።

ካብ ሓፀይ ምኒሊክ ክሳብ ልጅ እያሱ፣ካብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ክሳብ መንግስቱ ሃይለማሪያም፣መለስ ዜናዊ፣ ሃይለማሪያም ደሳለኝን ኣብይ ኣሕመድን ማእኸል ፖለቲካ እታ ሃገር እዩ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊት ክፍሊ ፕሬስ ዓውዲ ናይ ወፃኢ ቋንቋን ዲጂታልን ብለኔ ስዩም ክትቐርቦ ዘይፍቀድን ካብ ርሑቕ ዝፍራሕን ናይዚ ቐፅሪ ኣተሓሕዛ ግን ክንዲ ሽሙ ኣይነበረን ይብላ ።

ንሰን ወሲኸን ምዝዛም ህንፀት ፓርክ ሓድነት ናይቲ ቤተ መንግስቲ ክፉት ምዃኑ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣለዎ ይብላ።።

“ኢትዮጵያዊያን ቅድሚ ሎሚ በዚ ክሓልፉ ኣዚዮም ዝፈርሑዎ፣ንህዝቢ ዕፁው ዝነበረ፣እቲ ቦታ መእከቢ ዝኣረጉ ኣቑሑት ዝነበረ፣ዘይስሕብ፣ኣብዚ ዘሎ ብዙሕ ታሪኽና ምልስ ኢልና ዘይንርእየሉ ዝነበረ ምስ ምዃኑ ክኽፈት ከሎ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ።ታሪኽና ክንፈልጥ ዝገብር እዩ።”

እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝተዛዘመ እውን ቢልለኔ ስዩም ሓቢረን።ፓርክ ሓድነት ተፈጥሮኣዊ፣ባህላዊ፣ፖለቲካውን ታሪኻውን ክብርታት ዝሓቖፈ እዩ።

ኣብ ውሽጢ 130 ዓመታት ሸውዓተ መራሕቲ ዘተኣናገደ ቤተ መንግስቲ ኣብዚ እዋን ዝነበሩ ኣወንታውን ኣሉታውን ታሪኻት እውን ይዝንትው።

ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሳተፍሉ ስነስርዓት ምረቓ ‘ኣስናቀች’ ብዝብል ስም ዝፅዋዕ ናይ ሓፀይ ምንሊክ ናይ ግብሪ ኣዳራሽ እዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነ ስዓት መራሕቲ ኬንያ፣ኡጋንዳ፣ሶማልን ሱዳንን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም ኔሮም።

ፓርክ ሓድነት ካብ ዝቕጽል ሰሙን ንህዝቢ ክፉት ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ “ፓርክ ሓድነት’’ ተመሪቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00


XS
SM
MD
LG