ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባንግላዴሽ ኣብ ሓደ ሩባ ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓነት ጀልባ ብምግልባጣ 32 ሰባት ሞይቶም


ሓደጋ ዘጋጥመሉ ሩባ
ሓደጋ ዘጋጥመሉ ሩባ

ኣስታት 100 ኣመንቲ ሂንዱ ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ሰሜናዊ ባንግላድሽ ኣብ ዝርከብ ሩባ ትማሊ ሰንበት ተገልቢጣ ብውሑዱ 32 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ገሊፁ።

ሓላፊ ፖሊስ'ቲ ከባቢ ካብ ዓቐን ንልዕሊ ሰባት ዝፀዓነት ጀልባ ካብ ናይ ህንዱ ቤተ መቅደስ ክምለሱ ከለው ኣብ ወሰን ሩባ ካራቶዋ ከምዝተገልበጠት ሓቢሩ።ክሳብ ሎሚ ሰኑይ ንጉሆ እንተወሓደ 12 ደቂ ኣንስትዮን ሸሞንተ ቆልዑትን ዝርከቡዎም 32 ሰባት ሬሳ ተረኺቡ ኣሎ።ብዙሓት ግን ሓምቢሶም ናብ ወሰን ሩባ ከምዝወፁ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት በብዓመቱ ሃይማኖታዊ ብዓሎም ንምኽባር ኣብ ዱርጋ ፑጃ ይእከቡ።

ብብዝሒ ኣመንቲ እስልምና ዝነብሩላን ወናኒት ልዕሊ 160 ሚሊዮን ህዝቢ ዝኾነትን ባንግላዲሽ ኣስታት ሸሞንተ ሚእታዊት ኣመንቲ ሂንዱ እዮም።

XS
SM
MD
LG