ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባንግላዴሽ ብዘጋጠመ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት መንበሪኦም ክሓድጉ ይግደዱ


ህዝቢ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ባንግላደሽ ትማሊ ብዝሃረመ ህቦቡላ ሓዘል ዝናብ ብዉሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም። ሰበ ስልጣን'ቲ ከባቢ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እቲ ህቦብላዊ ዝናብ ካብ ከባቢኦም ደፊኡ ኸውጽኦም'ዩ ዝብል ስግኣት ሓዲርዎም'ሎ።
መንግስቲ ቅድሚ'ቲ ህቦቡላዊ ዝናብ 2.5 ሚልዮን ሰባት ካብ ከባቢኦም ከውጽኦም ተስፋ ገይሩ ምንባሩ ሚኒስተር ምሕደራ እዋን ሓደጋ ትማሊ ሰኑይ ንሪፖርተራት ገሊጾም።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ድሮ 250-ሽሕ ሰባት ካብ ወሰናስን ማያት ክወጹ ተገይሩ'ሎ ።
ኣብ 2020 ዘጋጠመ ካልኣይ ዝኸበደ ዝተባህላ ህቦቡላ ዝናብ ኣብ ባንግላደሽን ህንድን 100-ሽሕ ሰባት ምሟቶምን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ በቲ ሓደጋ ምጽላዎምን ይፍለጥ።

Recommended

XS
SM
MD
LG