ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባህሊ:ቋንቋን ታሪክን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኾረ ዋዕላ ኣብ መቐለ ተካይዱ


ብምትሕብባር ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛን ስነ ፅሑፉን ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝተፈጠረ ሃዋህው ሰላም ንምሕያል ዓሊሙ ንክልትኡ ህዝብታት ብፍላይ ንትግራይ ኤርትራን ሓደ ኣብ ዝገብሩ ባህሊ፣ቋንቋ፣ መበቆል ስልጣነ፣ ሓረግ ትውልድን ታሪክን መሰረት ገይሩ ’’ሓድነት ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ሰላም፣ ባህልን ንመበቆላውያን ስልጣነ ‘ ብዝብል መሪሕ ቃል ንክልተ መዓልታት ዋዕላ ከምዝተካየደ ዶክተር ትካቦ ገብረስላሰ ገሊፆም።

ዶክተር ትካቦ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ቋንቋን ስነ ፅሑፉን እዮም። ዶክተር ትካቦ ኣብዚ መድረክ ክልትኡ ህዝብታት ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም 11 ፅሑፋት ብኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ምቅራቡ ሓቢሮም።

ኣብቲ መድረክ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ካብ ዘቅረቡ ሓደ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም መምህር ታሪክ ዝኮኑ ዶክተር ሳምኤል ኪዳነ እዮም። ዶክተር ሳምኤል ብዛዕባ ዘቅረብዎ ፅሑፍ ኣመልኪቶም እንትዛረቡ ‘ ፅሑፈይ ኣብ ወለዶታትን ታሪክን ክልቲኡ ህዝብታት ዝተመስረተ ኢዩ። ታሪክን ትውልድን ክልቲኡ ህዝብታትን ፍፁም ዘይነፃፀል ዝተኣሳሰረ እዩ። ታሪክ ሰሜን መረብ ኣልዒልካ ታሪክ ደቡብ መረብ ከተልዕል ግድን እዩ። ጭራሽ ክፋላለ ዘይክእል መፃምዲ ወይ ድማ ልፍንቲ እዩ’’ ይብሉ። ትውለደ በለው ከለውን ካልእን ኣልዒሎም ዘርዚሮም ኣለዎ።

ካልእ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቅረበ ኤርትራዊ ሕሩይ ዳኘው ይብሃል። ሕሩይ ኣብ ሕውነትን ክልትኡ ህዝብታትን ናይ ባዕሎም ታሪክ ዘለዎም ምስላታት ኣልዒሉ ኣብሪሁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG