ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቡራዩ ዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ ኣብ ዋና ከተማ አዲስ አበባ ተቓውሞ ተኻይዱ


ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ዝተላዕለን ሞት 23 ሰባት ዘስዓበ ግጭት ቡራዩ ስዒቡ ትማሊ ሶኑይ ኣብ አዲስ አበባ ተቓውሞ ምክያዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምክንያት መንገዲታትን ኣብያተ ንግዲን ምዕጻዎምን ተገሊጹ’ሎ።

ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ነቲ ፍጻመ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ፖሊስ “ሓደገኛ” ንዝብሎም ሰባት ኣብ ብዝተኮሶ ጥይት ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶም ሓቢሮም ኣለው።

ዘውዱ ጠኔ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ናይ ትማሊ ሶኑይ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዝተሳተፉ መንእሰይ’ዩ። ንሱ ጎረቤቱን ሓውን በቲ ግጭት ከምዝሞትዎ ብምግላጽ “ መንግስቲ ንሕበር ይብል ኣሎ፡ ግን ልዕልና ሕጊ እንተዘየሎ ብኸመይ ኢና ንሓብር” ይብል።

ኣብ ቡራዩ ዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ ኣብ ዋና ከተማ አዲስ አበባ ተቓውሞታት ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

ዓለምለኸ ትካል ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኣብቲ ዝተላዕለ ግጭትን ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት ብዝምልከት ዝተማለአ ምርመራ ከካይድ ጻዊዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ከባቢ አዲስ አበባ ዘጋጠመ ግጭትን ሞትን ብትሪ ከምዝኾነኑ ብምግላጽ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ አጻርዩ ኣብ ልዕሊ ተሓታቲ ዘድልይ ስጉምቲ ከምዝወስድ ሓቢሮም ኣለው። ብተወሳኺ በቲ ፍጻሜ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰምዖም ከቢድ ሃዘን ብምግላጽ ንቤተሰቦም ምጽንናዕ ተመንዮም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሎሚ በቲ ግጭት ካብ መነባብሮም ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተዓቑቦም ዘለው ዜጋታት ምብጽሖም’ውን መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG