ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ቡራዩ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለታት ዝተወደቡ ምዃኖም መረጋገጺ ረኺበ' ፖሊስ ኦሮሚያን ፈደራል ፖሊስን


ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል
ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ሓዘን መልእኽቲ፡ መንግስቲ ነቲ ፍጻመ ኣጻርዩ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣረጋጊጹ። ነዚ ኣብ ቡራዩን ከባቢኡን ዝተፈጸመ ንምኹናን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣርባምንጭን ሰልፊ ውዒሉ- ግጭት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ`ውን ጉድኣት ወሪዱ`ሎ።

“ ሓደ ሓደ ሰባት ቦምብ ከይተረፈ ሒዞም ዝወጽሉ ምስ ቦምቦኦም ብሰብ ተጠቁሞም ብፖሊስ ዝተታሕዙ ኔሮም” ዝበለ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ካብ ፖሊስ`ውን ብረት ንምምንጣል ከምዝተፈተነ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ግንቦት-7ን ኦነግን ኢድ ከምዘለዎም ንምምሳል ተባሂሉ ዝተወደብ ኣካይዳ ከምዝነበረ`ውን ገሊጹ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ግንቦት-7ን ኦነግን ከምኡ ሰማያዊ ፓርትን ኤፈኮን ዝርከብዎም ሸውዓተ ውድባት ነቲ መጥቃዕቲ ዝኹንን፡ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ስጉምቲ ክውሰድ ዝጽውዕን ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ`ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG