ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቓዛን የሩሳሌምን ዝጸንሓ ግጭት ናብ ካልኦት ከባቢታት እስራኤል ይልሑኽ ምህላው ተገሊጹ


ኣብ ቓዛን እየሩሳለምን ዘሎ ጎንጺ ናብ ካልኦት ከባቢታት እስራኤል`ውን ይልሑኽ ኣሎ። ኣብ ብርክት ዝበላ ኣይሁድን ኣመንቲ እስልምናን ጎኒ ንጎኒ ዝነብሩለን ከተማታት`ውን ዕግርግር ይርአ`ሎ። ብፍላይ ኣብ ጥቓ ተል-ኣቪቭ ትርከብ ከተማ ሎድ እቲ ጎንጺ ሕይል ዝብለ`ዩ ኔሩ።

ከተማ ሎድ ኣይሁድን ኣዕራብን ጎኒ ንጎኒ ዝነብሩላ ከተማ እስራኤል`ያ። እዞም ጎረባብቲ ሕጂ ነንሕድሕዶም ክጋጨዉ ክኢሎም ኣለዉ። ዮኤል ፍራንከንበርግ ኣይሁዳዊ ነባሪ`ዩ "ኣብዚ ን12 ዓመታት ነቢረ`ለኹ- ጽቡቕ ጉርብትና`ዩ ጸኒሑና- ብዙሕ ግዜ ኣይቀትሉናን`ዮም- ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ግን ክቐትሉና ፈቲኖም ኣለዉ" ይብል ። ዓ

ረባዊ ነባሪ ከተማ ሎድ ዋሕል ብወገኑ ከምዚ ይብል።"ዝሓለፈ ለይቲ ገዛና ንግድና መካይና ኣቃጺሎም- ንደቅና ብረት ሒዞም ቀሪቦሞም- ካብዚ ከልግሱ ኣለዎም- እንተዘይኮነ ግን ኣብ ከተማ ሎድ ዓቢይ ኩናት ክልዓል`ዩ" ይብል።

ኣብታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ሓሙሽተ ኣብያተ መቕደስ ተቓጺሎም ኣለዉ::እዚ ድማ ፕረዚደንት እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ብፖግሮምስ ዝብል ቃል ክኹንኖ ጌሩ`ሎ:: እዚ ቃል ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ኣይሁድ ንዝተፈጸመ ጭፍጨፋ ንምኹናን ዝጥቀም ዝነበረ ቃል`ዩ።

ኣብ ጎረቤታ ዝኾነት ከተማ ባት-ያም`ውን ዝተወሰኑ ኣይሁድ ንሓደ ዓረብ ቀጥቂጦም ሆስፒታል ከምዝኣቱ ጌሮሞ። ኣብ ሎድ ዝተሃርመ ኣይሁድ ድማ ድሓር ሞይቱ`ሎ።

እቲ ህውከት ናብ ካልኦት ከተማታት ማለት ኣዕራብ ዝነብሩለን ከተማታት`ውን ልሒኹ`ሎ።

ድሕሪ`ዚ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ነተንያሁ`ውን ስምዕታ ኣቕሪቡ፡-"ኣይሁድ ብኣዕራብ ክሕነቑ ወይ ኣዕራብ ብኣይሁድ ክሕነቑ ፍጹም ምኽንያታዊ ኣይኮነን። እዚ ፍጹም ክንቅበሎ ኣይኮናን። እዚ ንዓና ኣይገልጸናን`ዩ- እዚ ኣረሜናውነት ንዓና ኣይገልጸልናን`ዩ። ናብ ኩለን ከተማታት እስራኤል ስርዓተ-ሕጊ ክንመልሰለን ኢና: ኢሉ።

መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትያን-ድሩዝን ኣይሁድን ነቲ ኩነታት ከተሃዳድእዎ ይፍትኑ`ለዉ። ኩሎም ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ጎንጺ ሃይማኖተይ ኣይኮነን ዝብል ሓረግ የሕልፉ`ለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG