ዋሽንግተን —
ካብ በበይኑ ሃገራት ናብ ቐጠር ዋንጫ ዓለም ብኣካል ንምዕዛብ ዝወሓዙ ተዓዘብቲን ደገፍቲን፡ ናብ ስታድዮማት መእተዊ ትኬታት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ የማርሩ ኣለዉ። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ዘዘራረቦም ተዓዘብቲ፡ ካብቲ ወግዓዊ መርበብ ፊፋ ትኬት ክገዝኡ ፈቲኖም ከም ዘይሰለጦም ጠቒሶም። ነቲ ዕድል ከምልጦም ዘይመረጹ ድማ ብዝተዓጻጸፈ ዋጋ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ይገዝኡ ምህላዎም ይሕብሩ። ንኣብነት ይብሉ፡ እቶም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ደገፍቲ፡ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ፊፋ ብ$70 ዶላር ኣመሪካ ክሽየጥ ዝተባህለ መእተዊ ትኬት ኣርጀንቲናን ፖላንድን፡ ብቐጥታ ክገዝኡዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ብ$800 ዶላር ኣመሪካ ክገዝኡ ከም ዝኸኣሉ ይሕብሩ።
መርበብ ሓበሬታ ፊፋ እቲ ትኬታት ከም ዘሎ’ዩ ዘመልክት። ኣብ ግብሪ ግን ክገዝኡዎ ከም ዘይከኣሉ ተዓዝብቲ ይሕብሩ። እዚ ኣብ በበይኑ ዋንጫ ዓለምን ካልእ ዓበይቲ ግጥማትን ብመጠኑ ዝደጋገም ተርእዮ እኳ እንተዀነ፡ ናይ ቐጠር ግን ሕልፊ ካልእ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።
ዛጊት ተኻይዶም ካብ ዘለዉ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ናይ ቐጠር እቲ ዝኸበረ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።