ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቐጠር ኣብ ስራሕ ህንጸት ስታድየማት ዋንጫ ዓለም ብዝሒ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ


ሃገረ ቐጠር፣ ንምትእንጋድ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ዝፈጸመቶም ስራሕ ህንጸት ብዝሒ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት፣ ምስ’ቶም ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝተፈጸሙ ስራሕ ህንጸት ንዋንጫ ዓለምን ውድድራት ኦሎምፒክን ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ክነጻጸር ከሎ፣ ናይ ቐጠር ኣዝዩ ዝበዝሐ ከምዝኾነ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው።

ከምኡ ኮይኑ’ውን፣ ኣብ ቐጠር ሓላፍነት ዝስከም ኣካል ኣይተረኸበን። ተወልደ

ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ካብ ዝተሰምዑ ኣገረምቲ ውሳነታት ሓደ፣ ቐጠር ካብ ሞንጎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ ግጥማት ፊፋ ዋንጫ ዓለም ንክተተኣናግድ ዝተመረጸት ፈላመይቲን ንእሽተይን ሃገር ምዃና እዩ።

ኣብ ቐጠር፣ ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት፣ መብዛሕተኦም፣ ካብ ኤስያን ኣፍሪቃን ዝኣተው ሰራሕተኛታት ኣለው። ፕረዚደንት ፊፋ ጣልያናዊ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ብዛዕባ ደረጃ ስታድየማት ዋንጫ ዓለም ከምዚ ይብሉ፣"ኩሎም ስታድየማት፣ ንመዐቀኒ ጥበብ ዘማልኡን ኣዝዮም ውቁባትን እዮም!"

ፕረዚደንት ፊፋ ዝነበሩ ሴፕ ብላተር ብወገኖም "ፊፋ ኣይኮነን ንድሕነት ሰራሕተኛታት ዘረጋግጽ: ሓላፍነት ናይ ንግዳዊን ኢንዱስትሪያዊን ኩባንያታት ካልኦት ሃገራት እዮም። ንሕና ንፍጽሞ ነገር ኣይኮነን" ይብሉ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናብ ቐጠር ካብ ዝጋዓዙለን ሃገራት ሓንቲ ኔፓል እያ። ሓኪም መጥባሕቲ ልቢ ዝኾነ ዶ/ር ፕራክሽ ራይ ረዪሚ ከምዚ ይብል፣

"ኣስከሬናት ዝሓዘ ሳጹን ሬሳ፣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካትማንዱ ንረክብ ነይርና።"

ሓንቲ ኔፓላዊት ብተራኣ "ዓል ቤታ፣ ቅድሚ 4 ኣዋርሕ ኣብ ቐጠር ከምዝሞታ ክትምስክር ከላ፣ ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ድማ ወደይ ኣብ ቐጠር ሞይቱኒ እዩ ይብል።

ራምሽ ጉፕታ ዝተባህለ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ "መንግስቲ፣ እኹል ዕድል ስራሕ ስለዘይፈጠረልና፣ ኣማራጺ ምስ ሳኣና ንክንነብር ኢልና ንስደት ተቓሊዕና ኣለና" ይብል።

ቐጠር ቅድሚ 10 ዓመታት፣ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንክተዳሉ ፡ፊፋ ዕድል ምስ ሃባ፣ ዝርርባት ጀመረ። ሽዑ፣ እታ ንእሽተይ ሃገር ወሽመጥ ፣ ንዋንጫ ዓለም ንምትእንጋድ ዘኽእሉ ትሕተ ቅርጺ ፈጺሞም ኣይነበርዋን። ወከልቲ ቐጠር፣ ነቲ ዕድል ንክረኽቡ ክብሉ ጉቦ ከፊሎም እዮም እናተባሃሉ`ውን ይሕመዩ`ዮም። መስርሕ ምጽራይ ግና፣ ዓሰርተ ዓመት ሓሊፉ ሎሚ’ውን ኣይተዛዘመን ዘሎ።

ንቡር ግጥማት ዋንጫ ዓለም፣ ኣብ ኣዋርሕ ሰነ፣ ሓምለን ነሓሰን እዩ ዝካየድ ኔሩ፣ እዚ እዋናት’ዚ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ክሳብ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ብርቱዕ ዋዒ ዝረኣየሉ እዋን ስለዝኾነ ግን ድሕሪ`ቲ ዝነበረ ክትዕ፣ እቲ ግጥማት ናብ ሕዳርን ታሕሳስን ንክመሓላለፍ ተገይሩ ።

ኣዝያ ሃብታም ዝኾነት ሃገረ ቐጠር፣ ናይ ገዛእ ባዕላ ዜጋታት ሰራሕተኛታት የብላን። ኣብ’ተን ቀጺለን ዝመጻ ዓሰርተ ዓመታት፣ ብዝሒ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት፣ ብ65 ሚእታዊት ዓብዩ እዩ።

እዚ ክስተት’ዚ፣ ኣብ ቐጠር ስራሓት ህንጸት ንክዓቢ ምኽንያት ኮይኑ። ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ዓለምለኸ ስታድየም ካሊፋ ንምህዳስ 300 ሚልዮን ዳለር በጀት ተሰሊዑ። 7 ሓደስቲ ስታድየማት ተወሲኾም። ሉሰይል ዝተባሃለት ዘበናዊን ሓዳስን ከተማ ምስ ስታድየማ’ውን ተሃኒጻ።

ማዕረ ማዕረ እቶም ዝተሃንጹ ግና፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሃነጽቶም ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት’ውን ክቀላቐሉ ጀሚሮም። ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ሁማን ራይት ዋችን ሚድያታትን ዝኣምሰሉ ተሓለቕቲ መሰላት ሰራሕተኛታት፣ ማሃይኦም ይዝረፉ ኣለው። ምንቅስቃሶም’ውን ይግደብ ኣሎ ክብሉ ከሰምዑ ጸኒሖም እዮም። እቲ ዝባኣሰ ግህሰት ግና፣ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ስራሕን ኩነታት መነባብሮም ወዲቖም ምንባሮም እዩ።

ኣብ ስራሓት ህንጸት ቐጠር ዝሞቱ ሰራሕተኛታት፣ ምስ’ቶም ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዝተፈጸሙ ስራሓት ህንጸት ንዋንጫ ዓለምን ውድድራት ኦሎምፒክን ምስ ዘጋጠሙ ሞት ሰራሕተኛታት ክነጻጸር ከሎ፣ ናይ ቐጠር ኣዝዩ ዝበዝሐ ከምዝኾነ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው።

ብመሰረት ጋዜጣ ዘጋርድያን ቅድሚ ዓሚ ዝጻሓፎ ሓበሬታ፣ ኣብ ስራሓት ህንጸት ትሕተ ቅርጺ ንዋንጫ ዓለም ኣብ ቐጠር ብዝሒ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ልዕሊ 6,500 እዩ። ሰበ ስልጣን ቐጠር ግና፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 8 ዓመታት፣ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት 3 ሰባት ጥራሕ እዮም ባሃልቲ ኮይኖም ኣለው።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ መብዛሕተኦም ዝሞቱ ሰባት ዝዋሃቦም ምስክር ወረቀት ሞት፣ ብተፈጥሮኣዊ ጸገማትን ብሰንኪ ወቕዒ ልቢን ከምዝሞቱ ዝሕብሩ’ዮም ይብል። ወሃቢት ቃል ኣምነስቲ ኣሺሚታ ሳኮታ ብወገና ኣማውቶኦም መብርሂ ስለዘይርከበሉን ስለዘይምርመርን፣ ስድራ ቤታት ካሕሳ ዝረኽብሉ ዕድል የለን ትብል።

ሓደጋ እናሃለዎ’ውን እንተኾነ፣ ሰራሕተኛታት ናብ ቐጠር ምውሓዞም ኣየቋረጹን። መብዛሕተኦም ዝመጹ ካብ ህንዲ፣ ኔፓል፣ በንግላድሽ፣ ስሪላንካ፣ ፓኪስታን፣ ፍልፒንስ፣ ኬንያ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ናይጀርያን እዮም።

ኣብ ምቅርራባት ጽዋዕ ዓለም ዝነጥፉ ሰበ ስልጣን ቐጠር፣ ግብረ መልሲ ንክህቡ ካብ ድምጺ ኣመሪካ ንዝቀረበሎም ሕቶ ነጺጎምዎ። እንተኾነ ብጽሑፍ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለው። ‘ንጥዕና፣ ድሕነትን ክብሪን ኩሎም ሰራሕተኛታት ንግደስ ኢና’ ይብል።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ ሰበ ስልጣን ቐጠር፣ ንኣማኢት ሰራሕተኛታት ካብ ዶሓ ከምዘልገስዎም ይዝረብ ኣሎ። ‘ዝኣክል መንበሪ ተዋሂብዎም እዩ’ ዝብል ወግዓዊ መግለጺ ኣሎ። ነቐፍቲ ግና ኣብ እዋን ግጥማት ጽዋዕ ዓለም፣ ትኹረት ክረኽቡ ዝኽእሉ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት፣ ኩነታቶም ኣብ ዓይኒ ተዓዘብቲ ንከይኣቱ ስለዝተደለየ እዩ ይብሉ።

ቐጠር ንዋንጫ ዓለም ንክተታኣናግድ ኣብ ዝተመረጸትሉ እዋን ፕረዚደንት ፊፋ ዝነበሩ ሴፕ ብላተር፣ ቐጠር ነቲ ዕድል ዝረኸብትሉ መስርሕ ጌጋ እዩ ከምዝብሉ ዝዝከር እዩ።

በዚ ኢሉ በቲ ግን ኣብ ቐጠር ዝካየድ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2022 ዝመጽእ ሰንበት 20 ሕዳር ይጅምር ኣሎ- ክሳብ ታሕሳስ 18 ድማ ንሓደ ወርሒ ክቕጽል`ዩ።

XS
SM
MD
LG