ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ እቲ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ፕሪቶሪያ ብዝተኸትመ ስምምዕ ደው ምባሉ ዝዝከር እዩ። ካብቶም ስምምዓት ሓደ ዝኾነን ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ጊዝያዊ ምምሕዳር ምጥያስ ኮይኑ ፕረዚደንት እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ተመሪፁ: ፈደራል መንግስቲ'ውን ኣጽዲቑዎ'ሎ።
ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ኮይኖም ምምራፆም ኣብ ደገን ውሽጥን ዝነብር ማሕበረሰብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ መናእሰይ ዝፈጠሮ ስምዒት እንታይ ይመስል፧
መፃኢ ዕድላትን ብድሆታትን እቲ ምምሕዳር'ኸ እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ፧
ሃፍቶም በርሀ ኣብ መርበባት ማሕበራዊ ሚድያ ንፖለቲካ ክልል ትግራይ ብምክትታል ትንታነ ብምሃብ ዝነጥፍ ፖሊቲካዊ ኣክቲቭስት ካብ መቀለ እዩ።
ተኽላይ ገብረስላሰ ድማ ኣብ መርበባት ማሕበራዊ ሚድያ ነቲ ፖለቲካ ኩነታት ክልል ትግራይ ዝከታተልን ኣርታኢ ሚድያ ትግሃት ካብ ስዊድን እዩ።