እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2020 ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምድማፅ መሰለን ንምርግጋፅ መበል 19 መመሓየሺ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተወሰነሉ መበል 100 ዓመት ዝዝከረሉ ዓመት እዩ።ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲስ ዝርከቡ ኣብያተ መዘክራት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርጫ ድምፀን ናይ ምሃብ መሰለን ንምርግጋፅ ማዕረ ክንደይ ከምዝተቓለሳ ብዘርኢ የኽብርዎ ኣለው።
ናይ ምድማፅ መሰለን ከረጋግፃ ዝተቓለሳ ኣሜሪካዊያን ደቂ ኣንስትዮ ንገዛእ ርእሰንን “ውዱባት ተቓለስቲ መሰል’’ ኢለን ይፅውዓ።
ምልክታት ብምሓዝ፣ብምስላፍ፣ንፖሊሳት ብፅላል ብምጥቓዕ፣ንህንፃታትን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ብምውራር፣ሰልፍታት ብምትሕብባር ብምክያድን ዝክኣለን ኩሉ ተቓሊሰን።
ዓቃቢት ሙዚየም ሊሳ ግራዲ ከምዚ ትብል።
“እዚ ምርኢት እዚ ኩላትና እንዝክሮ ድምፂ ንምሃብ ዝተኻየደ ቓልሲ ዘዘንቱ እዩ።ከምዚ ዝበለ ዛንታ ኢና ተማሂርና።ሱዛን ቢ ኣንተኖኒ ንመሰለን ዝተቓለሳ ተባዓት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝመርሐት ኢና ተማሂርና።እዚ ዝድነቕ ዛንታ እዩ።”
እዘን ብሓባር ኮይነን ዝተቓለሳን ብዙሕ ዝተዓወታን ደቂ ኣንስትዮ ናይዚ ሃገራዊ ሙዚየም ታሪኽ ኣሜሪካ /National Museum of American History/ ቀንዲ ዛዕባ እየን።
ናይ ውልቂ ንብረተን፣ብኢድ ዝተስኣሉ ምልክታት /ባነራት፣ኣርማታት፣ስእልታትን ሰነዳትን ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ፈላመይቲ ጓልኣንስተይቲ ኣፈጉባኤ ናይ ዝኾና ናንሲ ፐሎሲ ናይ እንጨይቲ መዶሻ ከይተረፈ ኣካል እቲ ምርኢትን ኣካል ደቂ ኣንስትዮ ንሲቪላውን ፖለቲካዊ መሰላተን ዘካይድኦ ዘለዋን ነዊሕ ቓልሲን እዮም። ሕጂ እውን ዓቃቢት ናይቲ ሙዚየም ሊሳ ግራዲ “ኣብዚ ቤተ መዘክር ንምቕራብ ንደልዮ ዘለና ታሪኽ ናይዘን ንፈልጠንን ምልክታት ቓልስን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ብዙሕ ዘይፍለጣን ጎኒ ንጎኒ ኣቐሚጥና ክርኣይ ምግባር እዩ።ማብል ሊ ከም ዝኣመሰለት ቻይናዊት ኣሜሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ መንእሰይ፣ንሳ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንናይ ምድማፅ መሰል ዝተቓለሰት ግን ድማ እቲ ሕገ መንግስቲ ክመሓየሽ ከሎ ቻይናዊያን ኣሜሪካዊያን ከም ዜጋ ዘይርኣይሉ ብምንባሮም ከድምፁ ዘይኽእልሉ ኩነታት ዝነበረት እያ።”
ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምድማፅ መሰለን ዝተረጋገፀ ኣብ 1919 ዓ.ም. ብመሰረት ዝተኻየደ መበል 19 ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ እዩ።መጀመሪያ ናይ መመሓየሺ ሓሳብ ዝቐረበ ግን ኣብ 1878 ነይሩ።
ሳላ ሱዛን ቢ ኣንቶኒን ኤልዛቤት ካዲ ሳንተንን ዝኣመሰለ ደቂ ኣንስትዮ ንናይ ምድማፅ መሰለን ዝተቓለሳ እቲ ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ኣብ 18 ነሓሰ 1920 ፀዲቑ።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚዳንታዊ ፅምብል ድሕሪ ምክያዶም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 2017 ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ኣሜሪካ ሰልፊ ኣካይደን።ኣብቲ ሰልፊ ልዕሊ 5 ሚሊዮን ሰባት ብምስታፍ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድዚ ዝኸውን ሰብ ክስለፍ ናይ መጀመሪያ እዩ።
ክኢላ ፖለቲካዊን ወታደራውን ታሪኽ ቤታን በሚስ ደቂ ኣንስትዮ ሓይለን ዘርኣያሉ ሰልፊ ነይሩ ትብል።
“ደቂ ኣንስትዮ ወነንቲ ሓይለንን ታሪኸንን ከምኡ እውን ዝጸንሓ ዛንታ መሊሰን ዝወነናሉ ነይሩ።ኣብ 2017 ዝተፈፀመ ዝገልፅ ኣብዚ ቀሪቡ’ሎ።ቅድሚ ሎሚ ከም ገለ ኣሉታዊ ተገይሩ ይርኣይ ዝነበረ ቃል ዝኽበርን ሓያልን ምዃኑ ንምርኣይ ዝተፈተነሉ እዩ ነይሩ።”
ኣብ ሃገራዊ ሙዚየም ታሪኽ ኣሜሪካ ዝቐረበ ምርኢት ልዕሊ 60 ናውቲ ወይ ኣቑሑት ንምርኢት ቀሪቦም ኣለው።