ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው ትርከብ ዚምባብወ ን21 መዓልታት ሃገርለኸ ምዕጻው ኣዊጃ


ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተወሰኽቲ ስጉምትታት ምውሳደን ቀጺለን ኣለዋ።

ዚምባብወ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ትማሊ ሰኑይ ናይ 21 መዓልታት ሃገርለኸ ምዕጻው ኣዊጃ'ላ -ነቲ ብቐደሙ ብዝቕባበ ገንዘብን ሕጽረት መግብን ዝሳቐ ዘሎ ቁጠባኣ ግን ዝያዳ ሃሳይ ስጉምቲ’ዩ።

ናይ ናይጀርያ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሓሪ ከተማ ሌጎስ ን14 መዓልታት ክትዕጾ ኣዚዙ- ነበርቲ ዘድልዮም ነገራት ንምግዛእን ንምኽዛንን ሸፈትፈት ይብሉ ኣለው።

ኣብ ሰራልዮን ብቻይና ጽቡቕ ጠለብ ዝነበሮ መስርሒ ገዛ ዝኸውን ብዘይሕጊ ዝቑረጽ ዝነበረ ኣዕጻው ሃንደበት ጠጠው ኢሉ ኣብ ናብራ ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር ዓቢይ ጉድኣት ኣውሪዱ’ሎ።

ኣብ ሪፑብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተመራመርቲ ፒጊሚ ዝብሃሉ ተጎዳእቲ ዓሌት ሰባት ተፈጥሮኣዊ ቦትኦም ከይጉዳእን ንምሕላዎምን መጽናዕቲ የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ግብጺ ሰበስልጣን ኣብ ፒራሚድ ጊዛ ባውዛ መብራህቲ ወሊዖም-ኩሉ ሰብ ገዝኡ ኮፍ ይበል ዝብል መልእኽቲ የተሓላልፉ።

XS
SM
MD
LG