ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 13 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ሕ/ሃ ገሊጹ


ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጉስነት ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጉስነት ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጓነፈ ሓደጋ ደርቂ፣ 13 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጥሜት ከምዘውደቀ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ኬንያን ዝርከቡ ህዝቢታት፣ ኣብ ዝሓለፉ 33 ዓመታት ኣጋጢሙዎም ዘይፈልጥ ሓደጋ ጥምየት ከምዘጋጠመ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፣ ቅድሚ ሰብኣዊ ቅልውላው ምግጣሙ ህጹጽ ሓገዝ ንክረኽቡ ጸዊዑ ኣሎ ።

እቲ ሓደጋ ደርቂ፣ ንሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ደቡባዊን ደቡብ ምብራቅ ኢትዮጵያ፣ ደቡባዊ ምብራቅ ኬንያን ደቡብን ማእከላይን ሶማልን ከምዘጥቀዐ’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ 327 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ’ውን ጠቂሱ ኣሎ።

ትካል ህጻናት ሕ/ሃ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ሽዱሽተ ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ክሳብ መፋርቅ መጋቢት፣ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾኑ ከምዝሓበረ ዝዝከር እዩ። ኣብ ጎረቤት ሶማል ድማ፣ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ተጸበይቲ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG