ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝተራእየ ህቦብላን ብርቱዕ ዝናብን 30 ሰባት ክሞቱ ከለው ካልኦት ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ይግለጽ።
እዚ ብ’ሳይክሎን ሳጋር’ ዝጽዋዕ ህቦብላ ሓዘል ብርቱዕ ዝናብ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምኳኑ ሰበ ስልጣን’ቲ ዞባ ይገልጹ።
ኣመሓዳሪ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ዓብደልራህማን ዑመር ዑስማን ኣብ ሞቃዲሾ 6 ሰባት በቲ ህቦብላዊ ዝናብ ምሟቶምን ልዕሊ 300 አባይቲ ብውሕጅ ምዕልቕላቑን ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ሓቢሮም።
ሰበ ስልጣን ሶማሊላንድ ብወገኖም ኣስታት 25 ሰባት ካብ ዞባታት አውዳል፡ሳሕልን ሳላልን ምሟቶም መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ብውሕጅ ዝተወስዱ ምኳኖም ነበርቲ ይሕብሩ።
ሓገዝ ወሃብቲ አካላት ናብ ርሑቕ ገጠራት ይበጽሑ ኣብ ዘለውሉ ሕጂ እዋን እቲ ቁጽሪ ዝሞቱ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን ሶማሊላንድ ይገልጹ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ በሂ ዓብዲ ዝተዋህበ መግለጺ 12 ሰባት ምቁሳሎምን 27 ድማ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘሎ ይሕብር።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ 669,000 ሰባት በቲ ህቦብላዊ ዝናብ ከምዝተጠቕዑ፡ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ዘራእቲ ምዕናው፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብ ጥሪት ሶማሊላንድ ድማ ምሟቶም ይገልጽ።
ናይ ኖርወይ ትካል ግብረ ሰናይ ልዕሊ 10,000 ሰባት ኣብ ሶማሊላንድ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ኣብ ፑንትላንድ ድማ አባይትን ጀላቡን በቲ ህቦብላዊ ዝናብ ምዕናው ይገልጹ። ኣብ ጅቡቲ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ኣስታት 20,000 ድማ ካብ መነባብኦም ምዝንባሎም NRC ይገልጽ።
መንግስቲ ሶማል ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ ዘውጽዖ መብርሂ በቲ ውሕጅ ዝተጠቕዑ ወገናት ሓገዝ ንምብጻሕ 80 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልይ ይገልጹ ኣለው።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እዚ ድሕሪ 30 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ኣብቲ ዞባ ዝረአ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ሶማል ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ከበሳዊ ክፋል ኢትዮጵያ እውን ብርቱዕ ዝናብ ከምዝተራእየ፡ ኣብ ሶማል ክሳብ ሕጂ 772,500 ሰባት ብምዕልቕላቕ ውሕጅ ከምዝተጸልው ልዕሊ 229,000 ድማ ካብ መነባብኦም ምዝንባሎም ገሊጹ’ሎ።