ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ትካል ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከቢድ ደርቂ የንጸላሉዎ ከም ዘሎ ድሕሪ ምምልካት፡ ብሰንኩ ኣብ ሶማል ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎም ኣመልኪቱ።
እቲ ኮሚተ ኣብ መግለጺ፡ በቲ ደርቂ ብዝኸፍአ ትጠቒዓ ኣብ ዘላ ሶማል፡ ካብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 670-ሽሕ ሰባት ምምዝባሎም ኣመልኪቱ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ወገናት ማእከላይን ደቡባዊ ምብራቕን እታ ሃገር፡ ብሰንኪ ዘሎ ኲናት ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ስለ ዘይከኣል፡ ነቲ ሓደጋ ከም ዘጋድዶ ይሕብር።
ዜጋታት ማይን መግቢ ንምርካብ ብእግሮም ኣብ ዝጓዓዙሉ ኣብ መገዲ’ውን ይሞቱ ከም ዘለዉ ዘመልከተ ጸብጻብ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ህጹጽ ሓገዝ ንምግባር ይጽዕር ደኣ ይሃሉ እምበር፡ መጠን ተበጻሕነት ግን ነቲ ዘሎ ሓደጋ ክዳርጎ ከም ዘይክእል ሓቢሩ።