ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ሰላም የመን ብስምምዕ ምቕይያር እሱራት ይጅምር


ተዋጋእቲ ወገናት የመን ነቲ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሓ ኹናት ሓድሕድ ደው ንምባል ንልዝብ ሰላም ኣብ ሽወደን ይርከቡ።

እዚ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ሪምቦ ሎሚ ሓሙስ ዝጀመረ ዝርርብ ሰላም ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝድገፍ ሓይልታት መንግስቲን ተቓወምቲ ሑቲን ዝካየድ ናይ መጀመርያ ዝርርብ ሰላም እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ማርቲን ግሪፊክስ ኣብ ምጅማር እቲ ልዝብ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ናይቲ ዝርርብ ሰላም ምቁጽጻር መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ሰንዓ፡ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዝን ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን ዝብሉ ምዃኖም ገሊጾም። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምቕይያር እሱራት ከምዝተሰማምዑ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ማርቲን ግሪፊክስ ሓቢሮም ኣለው።

“ኣብ ምቕይያር እሱራት ዝተበጽሓ ምፍርራም ስምምዕ ክገልጽ ከለኹ ሓጎስ ይስመዓኒ። እቲ ዝተረፈ ጉዳይ እቶም ብዘይፍቃዶም ተአሲሮም ዘለዎን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡን እዩ።ብርግጽ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ነቶም ኣብዚ ዘለናን ነቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፈተውቶምን አባላት ስድራቤቶም ክምለስዎም ዝጽበዩ ዓብይ አበርኽቶን ኣገዳስነትን ዘለዎ ስምምዕ እዩ።”

ዋላ’ኻ ኣብ ምጅማር ልዝብ ሰላም ሽወደን ስምምዕ እንተተበጽሓ ዓብይ ለውጢ ኣየምጽእን’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ኢንስቲቱት ማእከላይ ምብራቕ ተመራማሪ ዝኾኑ ዙቤር ኢቕባል እቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት የመን ሓደ ናይ ምትእምማን ደረጃ ክበጽሑ መበገሲ ኽከውን ይክእል ይኸውን ክብሉ ርእይቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ሂቦም።

ኹናት ሓድሕድ የመን ተቓወምቲ ሑቲ ንዋና ከተማ ሰንዓ ንምቁጽጻር ኣብ ስልጣን ዝነብረ መንግስቲ’ታ ሃገር ብዕልዋ ድሕሪ ምእላዮም ኣብ 2014 ዝጀመረ ክከውን ከሎ ነቲ መንግስቲ ናብ መዝነት ንምምላስ ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ነቲ ግጭት ምስ ተሓወሶ ዝያዳ ምግዳዱ ይፍለጥ።

ኣብ ኹናት ሓድሕድ የመን ኣስታት 10,000 የመናዊያን ሞይቶም። ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 12 ሚልዮን የመናዊያን ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም ከምዘሎ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG