ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሻሸመኔ 6 ሰባት ብሕማም ኮሌራ ከምዘጥቅዖም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳታት ሻሸመኔንን ሻላን ሽዱሽተ ሰባት ብሕማም ኮሌራከምዝተጠቕዑን ክልቲኦም ሕሹዎም ናብ ገዛውቶም ከምዝተልኣኹን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ሻሸመኔ ገሊፆም።

እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይላባዕን መድሓኒትን ኬሚካላትን ብምክፍፋል ናይ ምክልኻል ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ለበዳ ሕማም ኮሌራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ተላዒሉ ጉድኣት ኣውሪዱ ነይሩ ምንባሩ ይዝከር።

ብኻልእ ዜና ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ሕማም ቺኩንጉኒያ ንምክልኻል ምምሕዳር እታ ከተማ ዝገበሮ ነገር የለን ክብልበቲ ሕማም ተታሒዙ ዝነበረ ክገልፅ ከሎ ወናኒ ሓደ ክሊኒክ ኸአ እቲ ለበዳ ገና ጽልውኡ ይውስኽ ኣሎ ኢሎም።

ወናኒ ናይቲ ውልቂ ክሊኒክ ዶ/ር ኣቤል መልካሙ ቅድሚ 10 ማዕልታት እቲ ሕማም ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ እዩኔዩ፤ ሎሚ ግን ሓደስቲ ሕሙማት ምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ ክብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶ/ር ፉኣድ ከዲር እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ቁፅሪ ሕሙማት ሎሚ ናብ 7,258 ክብ ኢሉ’ሎ ኢሎም። ፅባሕ ኣብ ምልእቲ እታ ከተማ ወፍሪ ፅርየት ከምዝካየድ ተገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG