ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል 300-ሽሕ ህዝቢ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ፋኦ ገሊጹ


አብ ሶማል 6.7 ሚልዮን ህዝቢ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብከቢድ ሕጽረት መግቢ ልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ድማ ግዳይ ጥምየት ክኾኑ'ዮም ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) የጠንቅቕ።

ብመሰረት ውድብ መግቢን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) በዚ ዳሕረዋይ ሓደጋ ዝተጎድኡ፣ ህዝቢ ባይዶዋን ቡርካባን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ቤይ ደቡብ ሶማል ዘለው ነበርቲ ከተማ ባይዶዋ ምኳኖም ገሊጹ ኣሎ።

ወካሊ'ቲ ትካል ኣብ ሶማል ኢተይን ፔተርሽሚት "ዝተዋህበ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ንጹር'ዩ። ሎሚ ስጉምቲ እተዘይተወሲዱ፣ ኣብ ዝቅጽላ ሒደት ሳምንታት ደርቂ ከጋጥም እዩ" ኢሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ቅድሚ 12 ዓመታት ብሰንኪ ኣጓኒፉ ዝነበረ ጥምየት፣ 340 ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፣ ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ተቃሊዖም ከምዝነበሩ፣ ሎሚ እቲ ብዝሒ 513 ሽሕ ከምዝበጽሐ ትካል ህጻናት ኣድህን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG