ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ጥምየት ንምቅላስ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልይ ሕ/ሃ ገሊጹ


ኣብ ሶማል ዝናብ ዘይህልወለን ተወሰኽቲ ክልተ ወቅቲ ክህልዋ ትጽቢት ከምዘሎን እዚ ኸኣ ምስቲ ዘሎ ኣብ ታሪኽ ዘይተራእየ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጥቅዓ ደርቂ ተደሚሩ ንዝመጻ ክልተ ዓመታት ክፍጠር ንዝኽእል ዓጸቦ ንምግታእ ብዉሑዱ ሓደ ቢልዮን ዶላር ብህጹጽ ከምዘድልይ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ማርቲን ግርፊስ አፍሊጦም።

ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቃዲሾ ኮይኖም ዝተዛረቡ ግሪፊስ ከምቲ ናይ 2016ን 2017ን ዝተገብረ ንምውጋዱ እንተዘይተኻኢሉ ኣብ ሶማል ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ወርሒ ሕዳር ዓጸቦ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ግሪፊስ " ብኮሚቴ ገምጋሚ ኩነታት ዓጸቦ ብኸምዚ ብርኪ ኣዝዩ ጥንቃቀ ዝተመልኦ ዝርዝር ኩነታት ዝተገምገመ እዚ ብደረጃ ዓለም ፈላማይ እዩ። ከምቲ ትማሊ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝበልክዎ ናይ መወዳእታ መጠንቀቅታ ዓጸቦ'ዩ" ኢሎም።

መርበብ ስርዓተ ቅድመ መጠንቀቅታ ዓጸቦ ዩሴ.ኤ.ኣይ.ዲ ዝተመስረተ ኾይኑ ሰብኣዊ ረድኤት ብእዋኑ እንተዘይበጺሑ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ
ሰለስተ ከባቢታት ሶማል ዓጸቦ ክኸውን እዩ ክብል ኣጠንቂቁ።

XS
SM
MD
LG