ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ቕትለት 7 ሰብ ሞያ ጥዕናን 1 ወናኒ ሹቕን ኣብ ነበርቲ ከቢድ ስንባደ ምፍጣሩ ተገሊጹ


ኣብ ሶማል ትማሊ ሓሙስ ሞይቶም ዝተረኸቡ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕናን ሓደ ካልእ ውልቀሰብን ኣብ ነበርቲ፣ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣንን ዓበይቲ ዓድን ከቢድ ስንባደ ምፍጣሩ ተሓቢሩ።

ነባሪ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሽማግለ ዓዲ ኣሕመድ መሓምድ ሙሴ ሬሳታት ሸውዓተ መናእሰይ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሓደ ወናኒ ሽቑን ካብ ሞቓድሾ 30 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ረኺብና ኣለና ኢሎም ።

እቶም ሰባት ናይ ሶማል ወታሃደራዊ ኽዳን ብዝተኸደኑ ተዓፊኖም ምስዝተወሰዱ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዮም ተቐቲሎም ተረኺቦም።

ነቲ ስጉምቲ ዝፈጸመ አካል ክሳብ ሕጂ ንፁር ኣይኮነን። ሙሴ ሓዊሱ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ግን ወታሃደራት ሶማል ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ መንገዲ ብዝተቐብረ ቦምብ ናይ ዝሞቱ ትሽዓተ ወታሃደራት ሕነ ንምፍዳይ ብወታሃደራት መንግስቲ ዝተፈፀመ እዩ ይብሉ።

ኮሚሽነር ክፍለ ግዝኣት ባላድ ግን ነቲ ክሲ ብምንፃግ ፈፃሚኡ ኣል ሸባብ እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG