ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብዝተላዕለ ግጭት 20 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ማእኸላይ ሶማል ንእትርከብ ከተማ ንምቁፅፃር ኣብ መንጎ ወታሃደራት መንግስቲ ሶማልን ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ጥሩፍ ጉጅለን ዝተኻየደ ግጭት ብውሑዱ 20 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 40 ሰባት ምቁሳሎም መሰኻኽር ዓይንን ሰበስልጣንን እቲ ከባቢ ገሊፆም።

ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ግጭት ወታሃደራት መንግስቲ ነታ ከተማ ብምጥቓዕ ንትሕዝቶታት ኣሕሉ ሱና ዋል ጀምዓ ከምዘጥቕዑን ብከቢድ ኣፅዋር ዝተዓጀበ ቶኽሲ ከምዝተኻየደን ተፈሊጡ ኣሎ።

ክኢላታት ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ምስ ዘለብተኛ እስላምዊ ጉጅለ ሓዱሽ ውግእ ምጅማሩን ንኣል ሸባብ ክጠቅም ይኽእል እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG