ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብዝረኣ ዘሎ ደርቂ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም ምህላው ተገሊጹ


አብ ዞባ በይ ማእከላይ ሶማል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ወዲቆም ከምዘለው ትማሊ ሰኑይ ዝወጸ መግለጺ ሕ/ሃ ኣጠንቂቁ።

እዚ ናይ ሎሚ ሓደጋ ደርቂ ንሶማል ኣብ ውሽጢ ዘበናት ንሳልሳይ ጊዜ ኣከታቲሉ ኣጓኒፉ ዘሎ ሓደጋ እዩ። ኣብታ ሃገር ወካሊ ዩኒሴፍ (ትካል ህጻናት ሕ/ሃ) ዋፋዓ ሳዒድ "ህጹጽን ዓብይን ዓለምለኻዊ ደገፍ እንተዘይተረኺቡ፣ ህልቂት ክስዕብ እዩ" ከምዝበለት ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ሶማል ዛጊት 730 ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከምዝሞቱ’ውን እታ በዓልቲ ስልጣን ገሊጻ። ብዘይካ'ዚ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ቆልዑ ሶማል በቲ ሓደጋ ከምዝተለከሙ፣ እተን 900 ሽሕ ደቂ ኣዋልድ ከምዝኾናን፣ ሳኣን መግቢ፣ ካብ ማኣዲ ትምህርተን ክቦኽራ ከምዝኽእላን ጸብጻብ ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG