ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ደርቂ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት ይሞቱ


ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ደርቂ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት ይሞቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:33 0:00

ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ደርቂ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት ይሞቱ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ቀዛፊ ደርቂ ንብዙሓት ዜጋታት ኣደዳ ሞትን ምጕስቓልን ገይሩ ኣሎ። ዝያዳ ተጠቃዕቲ ግን ህጻናት’ዮም።

ኣብቲ ኣብ ጥቓ ርእሰ-ከተማ መቓዲሾ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ፡ ኣደታት ዝማሰኑ ደቀን ሒዘን ይርኣያ። ሓያሎ ካብኣተን ሓገዝ ንምርካብ ነዊሕ ተጓዒዘን ዝመጻ’የን።

ኣብ ከባቢ መቓዲሾ ካብ ዝርከባ ሓንቲ ልዕሊ ዓቕማ ተመዛበልቲ የዕቊባ ዘላ መዓስከር፡ እቶም ሓደስቲ እቱዋት ኣብ መገዲ ኣዝማዶምን መቕርቦን ቀቢሮም ዝመጹ’ዮም።

ካብ ደቡብ ሶማል ዝመጸት ኣሚና ዓብዲ ሓሰን፡ ኣብ መገዲ ነቶም ምኽኣል ዝሰኣኑ እናሓደጉ ከም ዝመጽኡ ትነግር። ሓደ ካብኣቶም ብዓጸቦ ዝተጠቕዐ ወዳ’ዩ።ሕጂ’ውን ኣብ መዕረፊኣ ምስ በጽሐት ንምዝራብ ዝኸውን ዓቕሚ የብላን። “ብዙሓት ካልኦት ገና ኣብ መገዲ’ዮም ዘለዉ፡” ከኣ ትብል።

መዓልታዊ ሓደስቲ መጻእቲ ኣለዉ። በቲ ዝደኸመ ሓይሎም ዝማጠጐ ኣካላቶምን ዘጽልሉ ስፍራ ንምስራሕ ይቃለሱ። ዘሎ’ውን ስለ ዘየለ እቲ ዝርካቡ ጨርቀ-መርቂን ፕላስቲክ መሳሊ መሸፈኒን’ዩ።

ከም ሓበሬታ ዘይመንግስታዊ ትካል ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ (Norwegian Refugee Council) ገሊኣቶም ናብ መቓዲሾ ንምብጻሕ ክሳብ 19 መዓልታት’ዮም ተጓዒዞም።

ደርቂ ግን ሕጂ እንኮላይ ንመቓዲሾ ጸልዩዋ ኣሎ። ምኽንያቱ እቶም ተመዛበልቲ ኣዒንቶም ናብ መቓዲሾ’ዩ።

ኣብቲ ንጽጉማት ዓጸቦ ዝሕግዝ ማእከል ጥዕና፡ በተን ብጥሜት ዝተጠቕዑ ቈልዑ ዝሓዛ ኣደታት መሊኡ ይርአ።

ኦውሊዮ ሓሳን ሳላድ፡ ኣርብዓተ ደቃ፡ ብሰንኪ ደርቂ ብቕድም-ተኸተል እናሰዓቡ ክሞቱ ተዓዚባ። ሕጂ ነቲ ኣስታት 90 ኪሎ-ሜተር ሓዚላቶ ዝመጽአት ወዲ፡ሰለስተ ዓመት ወዳ ዓሊ ዑስማን ክትከናኸን ትፍትን።

ብኽቱር ፍርሒ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ክትዛረብ ኣይትመርጽን። ቍጽሪ ናብቲ ማእከል ጥዕና ዝኣትዉ ካብ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ዕጽፊ’ዩ ወሲኹ።

ከም ጸብጻብ ነቲ ትካል ዘመሓድር አክሽን ኣጌንስት ሃንገር ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ሶማል ምስራሕ ካብ ዝጅምር ዓመተ 1992 ኣትሒዙ እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ተሓከምቲ ከም ዘለዎ የመልክት።

ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ውሽጢን ወጻኢን እቲ ማእከል ጥዕና ኣብዚ ዓመት 448 ህጻናት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ብሰንኪ ደርቂ ዝሞቱ ቅኑዕ ኣሃዝ ንምርካብ ኣጸጋሚ’ዩ። ገለ ክፋል ሶማል ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቕ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ስለ ዘሎ ናጻ ኣካል ከጻርዮ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ 2010-2012 ኣብ ሶማል ወሪዱ ዝነበረ ድርቂ፡ ህይወት ኣስታት ሓደ ርብዒ ሚልዮን፡ ፍርቂ ካብኣቶም ህጻናት ምውሳዱ ይዝከር። ኣል-ሸባብ ኣብ ምግዳድ እቲ ሽግር ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ይጠቅስ።

ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ ኣብ ዘውጽአኦ ገምጋማዊ ጸብጻብ፡ ኣስታት 200-ሽሕ ህዝቢ ብኣዝዩ ሕሱም ደርቂ ክጥቃዕ ምዃኑ የመልክታ።

ግብረ-መልሲ ኣተባብዒ የሎን። ለገስቲ ኣካላት ግን 18% ናይቲ ትጽቢት ዝግበሮ ሓገዝ ጥራይ’የን ኣበርኪተን ዘለዋ።

እቲ ጸገም ግን ኣብ ሶማል ጥራይ ኣይኰነን።

ኣብቲ ብደርቂ ዝተሃስየ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊያ፡ ቍጽሪ ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐዩ ህጻናት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብ15% ዓብዩ ኣሎ።

ኣብ ኬንያ፡ ከም ሓበሬታ ዘይመንግታዊ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ኣብ ማእከል ጥዕና ድሕነት ህጻናት፡ 11 ቆልዑ ብሰንኪ ዓጸቦ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሞይቶም።

XS
SM
MD
LG