ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጕ ክልተ ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሶማልያ ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምብ፣ ሓደ ኣባል ሰራዊትን ኣብ ዓዲ ኢጣልያ ብጌጋ ን16 ዓመታት ድሕሪ ምእሳሩ ዝተፈትሐን ሰብ ተቀቲሎም።

እቲ ፈላማይ ፍንጀራ ቦምብ ካብ ሞቃዲሾ 30 ኪ.ሜ ርሒቃ ኣብ ትርከብ ኣፍሆየ ኮይኑ፣ እቲ ዝተቀትለ ኣባል ሰራዊት፣ መሓመድ ኣብዲ ማዶቤ ከምዝባሃል እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

እቲ ካልኣይ ግዳይ፣ ዑማር ሓሺ ሓሰን ከምዝባሃል፣ ቅድሚ 16 ዓመታት ንሓንቲ ጣልያናዊት ጋዜጠኛን መሳርሕታን ቀቲልካ ተባሂሉ ተኣሲሩ ከምዝነበረን፣ ዳሓር ግና ብጌጋ ኢኻ ተኣሲርካ ተባሂሉ ከምዝተፈትሐን ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ኣፍጎየ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምብ ኣል ሸባብ ሓላፍነት ክወስድ ከሎ፣ እቲ ናይ ሞቃድሾ ግና ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል የለን።

XS
SM
MD
LG