ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ 12 ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማልያ ኣብ ጽርግያ ብዝተጻወደ ነታጒ 12 ወተሃደራት መንግስቲ ትማሊ ሰንበት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን ሶማል ኣፍሊጦም።

በቲ ሓያል ናይ ጽርግያ ፍንጀራ ካብ ዝተቐተሉ ሓደ ሓላፊ ስለያ ከተማ ዱሳማረብ ክኸውን ከሎ- ኣኽራሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ይገልጽ ኣሎ።

ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ሸውዓተ ዕጡቓት ኣልሸባብ ተቐቲሎም ኔሮም`ዮም። .

ኣሜሪካ ብትእዛዝ ሽዕኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ትራምፕ ሰራዊታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ካብ ሶማል ኣውጺኣ`ያ። እንተኾነ ሰራዊታ ተውጽእ'ምበር ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣልሸባብ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምግባራ ቀጺላ`ያ።

ብኻልእ ዜና ሶማል፡ሓደ ጥምረት ተቓወምቲ ንፕረዚደንት መሓመድ ፈርማጆ ኣፍልጦ ኣይንህብን ድሕሪ ምባሎም ፖሊቲካዊ ቅልውላው`ታ ሃገር ይዓሙቕ ኣሎ- ።

እቶም ተቓወምቲ ስልጣን ፈርማጆ ክናዋሕ ኣይንፍቅድን ኢና ብምባል- መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ይጽውዑ።

ፕረዚደንት መሓመድ ፈርማጆ ድማ፡ ነቶም ተቓወምቲ ካብቲ ኣቐዲሞም ዝተሰማምዕሉ ንምርጫ ዝምልከት ውዕል ብምስሓብ ይኸሶም። ኣብ ሶማል መራሕቲ ክፍለ ግዝ ኣታት`ዮም ተኣኪቦም ፕረዚደንት ዝመርጹ። ሕጂ መራሕቲ ፑንትላንድን ጁባላንድን ንፈርማጆ ደጊም ከም ፕረዚደንት ኣይንፈልጠካን ይብልኦ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG