ዋሽንግተን —
ኣብ ምብራቃዊ ወረዳ ሶማል ንዝርከብ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ከባቢያዊ ምምሕዳር ላማጋላ ዒላማ ዝገበረ ክልተ ኣብ መኪና ዝተፃወደ ነተጉቲ ንከተማ በለደዊን ከም ዘናወጸ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። በቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ምኽትል ኣመሓዳሪ ሂራን ኣቡበከር ሸኽ መደይንን ሚንስትር ጥዕና ዞባ ሂራን ዘካርያ መሓመድ ኣሕመድን ሓዊሱ ብዉሑዱ 20 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 36 ኸኣ ቆሲሎም።
ኣልሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ንሱ ምዃኑ ገሊጹ ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ።
ላማጋላ ኣብየተ ፅሕፈት ምኽትል ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሂርሸበለ ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሂራንን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲን ዝርከበሉ ከባቢ’ዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ ምቕታሉ ብሰንበት ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።