ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 10 ሰባት ሞይቶም


ክልተ ነታጒ ዝፀዓና መካይን ተጠቒሞም ሎሚ ንጉሆ ረቡዕ ብዝተፈጸመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 10 ሰባት ከምዝተቐተሉ ፖሊስ ሶማል ገሊፁ።እቲ መጥቓዕቲ መንግስቲ ኣንፃር ኣል-ሸባብ መጥቓዕቲታት የካይደሉ ኣብዘሎ ዞባ ሂራን ምምሕዳራዊ ከባቢ ማሃስ ንዝርከብ ወታሃደራዊ ትካል ዒላማ ዝገበረ እዩ።

ዑስማን ዓብዱላሂ ዝተባህለ ነባሪ ንኣሶሴትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል እታ ከተማ ብሓያል ድምፂ ከምዝተናወፀትን ብዙሓት ዝቖሰሉ ሰባት ከምዘውፅአን ገሊፁ።

በዓል ስልጣን ፖሊስ ማሓድ ዓብዱለ እተን መካይን ስቪላት ኣብዝነብርሉ ከባቢ ተፈንጂረን እንተወሓደ 10 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ኢሉ።

ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG