ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብቕትለት ዝተኸሱ ጥርጡራት ናይ ሞትን ማእሰርቲ ፍርዲ ተበይንዎም


ቤት ፍርዲ ጋልካዮ ማእከላይ ሶማል፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንብርክት ዝበሉ ሰባት ቅትለት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ጥርጡራት ኣባላት ኣልሸባብ፣ ናይ ሞትን ማእሰርቲን ብይን ከምዘሕለፈ ተፈሊጡ።

ኣብ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝቀረቡ፣ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 21 ዝኾኖም እቶም ተኸሰስቲ፣ እቲ ብይን ክስማዕ ከሎ ከምዝሰንበዱን ከምዝተደናገጹን ርኢና ዝብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ኣብ ሶማል ዝንቀሳቀስ ኣልሸባብ፣ ንዓቃቢ ሰላም ኣፍሪቃ ካብ’ታ ሃገር ክሰጉግ፣ ንመንግስቲ ሶማል ክዓልውን ተሪር እስላማዊ ሕጊ ክትግብርን ዝህቅን ጉጅለ ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG