ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብሰንኪ ደርቂ ኣብ ዝሓለፈ 7 ኣዋርሕ 730 ህጻናት ምሟቶም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሶማል ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ንካልኣይ ጊዜ ብዘጋጠመ ደርቂ ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ትርከብ። እዚ ናይ ሎሚ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ተነጊሩ'ሎ።

እዚ ሓደጋ ጥምየት ብፍላይ ንቆልዑ ኣድኪምዎም'ሎ። መርኣያ እዚ ቆልዓ
2-ዓመት ሳዲቅ ኢብራሂም ኣብ ሙሉእ ኣካላቱ ንዝዓሰሉ ጽንጽያ ከልግስ ኾነ ክበኪ ዓቕሚ የብሉን።

እዚ ካብ መወዳእታ 2020 ኣትሒዙ ዝተራእየ ስእነት ዝናብ ንዘራእትን ጥሪትን ኣጥፊኡ'ሎ።

ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊስ እዚ ሕጂ ኣብ ሶማል ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ሎሚ ዘበን ጥምየት ካብቲ መብዛሕትኦም ትሕቲ
6-ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝርከብዎም 260-ሽሕ ሰባት ዝሞትሉ ናይ
2011 ዓ.ም ጥምየት ዝኸፍአ እዩ ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ።

ዛጊት ካብ ጥሪ ክሳብ ሓምለ ብሰንኪ ጥምየት ኣብ ማእኸላት መመገቢ
730 ቆልዑ ሞይቶም ኣለዉ። ብሕጂ ዝመጽእ ሓገዝ እንተሎ ነዞም ቆልዑ ኣዝዩ ዝደንጎየ እዩ። ናብ ሞቃድሾ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉዕዞ ዝበጽሓት ኣደ ሳዲቅ ውላዳ ንሱ ጥራይ ምዃኑን ንሱ እዉን ሓሚሙ ምህላዉ እያ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጻ።

ደርቂ ንክፍልታት ኬንያ ኢትዮጵያን ተንኪፉ እዩ። እዚ ናይ ሶማል ግን ዝኸፍአ ምኻኑ ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG