ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማሊላንድ ዝረአ ደርቂ ክቕጽል ብዘለዎም ተኽእሎ 725,000 ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም ምህላው ተገሊጹ


ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ዝተባህለ ትካል ኣብ ሶማሊላንድ ዝረአ ዘሎ ደርቂ ክቕጽል ብዘለዎ ልዑል ተኽእሎ ኣስታት 725,000 ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላለዎም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ዳይሬክተር ጨንፈር’ቲ ናይ ኖርወይ ትካል ኣብ ሶማል ቪክቶር ሞሰስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ሰባት ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ከጋጥም ብዝክእል ሕጽረት ዝናብ ኩነታቶም ናብ ዝኸፍኣ ክጋደድ ከምዝክእል ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ዘድልይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘድልይ 1.08 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከበርክት ጸዊዖም ኣለው።

ቪክቶር እቲ ዘድልይ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ ናህሪ ዋጋታትን ቁጽሪ ህይወቶን ዝስእኑ ሰባት ከምዝውስኽ የጠንቕቑ።

XS
SM
MD
LG