ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማሊላንድ ባይቶኣዊን ዞባዊን ምርጫ ተኻይዱ


ኣብታ ንርእሳ ሪፓብሊክ ሶማል ኢላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ሎሚ ባይቶኣውን ከባቢያውን ምርጫታት ክካየድ ውዒሉ`ሎ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሃርገሳ ነዊሕ መስርዕ ምንባሩ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙስ ቢሒ ኣብዲ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ እቲ ምርጫ ብሰለማዊ መንገዲ ክካየድ ኣለዎ ድሕሪ ምባል፡ "እቲ ምርጫ ምስ ተወድአ ሕቶ ዘለዎ እንተሎ ብህድኣት የቕርብ- ንረብሓ ሃገር- ጥርዓን ሰለማዊ ክኸውን ኣለዎ- ኣብያተ ፍርዲ ክፉታት`ዮም" ኢሉ።

ልዕሊ ሓደ ሚልየን ሰባት ክመርጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ: እዚ ድማ ሪኮርድ`ዩ ማለት ዝለዓለ ቁጽሪ`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ሶማሊላንድ ካብ 2003 ጀመራ ሽዱሽተ ሓፈሻዊ ምርጫን ሰለስተ ፕረዚደንታዊ ምርጫን ኣካይዳ`ያ: ፓርላመንታዊ ምርጫ ክተካየድ ግን እዚ ካልኣያ`ዩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG