ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስግግር ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኮሚሽነር ሕ/ሃ ጸዊዖም


ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ቮልከር ተርክ
ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ቮልከር ተርክ

ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ሱዳን ዑደት ዘካየዱ ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ቮልከር ተርክ ሰበስልጣን እታ ሃገር ከም ናይታ ሃገር መሰረት ዲሞክራሲያዊ ስግግር ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ ፀዊዖም።ዑደቶም ከጠቓልሉ ከለው ከምዝበሉዎ ግዳያት መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ፍትሕን ተሓታትነትን ብቕልጡፍ ክረኽቡ ኣለዎ ኢሎም።

ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝተፈፀሙ ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ምስናዱን ግን ዛጊት ዋላ ሓደ ሰብ ናብ ሕጊ ዘይምቕራቡ ገሊፆም።ኣብ ቀረባ እውን ኣብ ካርቱም ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቓሙ ጠቒሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝካየድ ንደሓር ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዲሞክራሲ ኣብ ልዕሊ ዝሓተቱ ሰልፈኛታት ጠያይቲ ብምትኳስ እንተወሓደ ን119 ሰባት ቀቲሎም ንካልኦት ልዕሊ 8,000 ድማ ከምዘቑሰሉ ተርክ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG