ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስደት ዓመጽ ንዘጋጠመን ዝሕግዝን ዘጣይስን ትካል ኬንያ


ፌዝ ሙሪንጋ
ፌዝ ሙሪንጋ

ካብ ኬንያ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ንስራሕ ዝከዱ ኬንያውያን መብዛሕትኡ ግዜ ብ ኣስረሕቶም ንዝበፅሖም ምክልባትን ስቓይን ተፃዊሮም ከምዝሓልፍዎ ይዛረቡ ። ይኹን እምበር ሓደ ትካል ተራድኦ ነተን ካብ ስደት ተመለስቲ መትከሊ እግርን ንርእሰን ዝኽእላሉን ባይታ ብምጥዕዓሙ ደጊሞም ምስ ማሕበረሰቦም ክፅንበሩ ዘኽእሎም ዕድል ከፊቱሎም ። ብኣማኢት ዝቁቑፀሩ ካብ ኣስገዳድ መግዛእቲ ዘምለጡ ሰባት እዚ ትካል ኣብ ዘዳለወሎም መዕረፊ መፅለሊ ከምዝረከቡ'ውን ይሕበር ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ዋና ኸተማ ኬንያ ናይሮቢ ዝርከብ ቤት ንግዲ ፌዝ ሙሪንጋ ካብ ስርሑ ካብ ዝጅምር ሽዱሽተ ወርሒ ኣቑጺሩ ሎ ። ኣብ 2019 ናብራኣ ክትቅይር ናብ ስደት እንተኸደት እኳ ከምቲ እተፀበየቶ ግን ኣይነበረን ። ኣብ ኬንያ ስራሕ ክረክቡ ንዘይከኣሉ ዜጋታት ፈላማይ መማረፂኦም ናብ ስዑድ ዓረብ ምስጋር እዩ ። እንተኮነ ግን ፈለማ ዝተኣተወላ ቃልን ኣብኡ ከይዳ ዝገጠማን ክልተ ዝተፈላለየ ዓለም እዩ ትብል ።

“እቶም ዝቖፀሩኒ ፈለማ ዝነገሩኒ ናብ ዓዶም ክኣቱ ክሰማማዕ ከለኹ ኩሉ ዝተዋህበኒ ስራሕ ክሰርሕ ከምዘለኒ ኣሚነ ብምዃነይ ፤ ናይ ምንፅርፃርን ምምራርን መሰል ከምዘይብለይ ፣ ንዓይ ክገዝኡ ብዙሕ ገንዘብ ከምዘውፅኡን ኣነ ንብረቶም ማለት ምኳነይ ነጊሮምኒ ።”

ሃርት ኬንያ ዝተባህለ ኣንፃር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝቃለስ ትካል ከም ብዓል ፌዝ ዝበላ ግዳያት ዝሕግዝን ረኺቡ ናብ ኬንያ ክትምለስ ስጋብ ዘእመነላ መዓልቲ ፌዝ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዘሕለፈቶም ክልተ ዓመታት ብኣስራሕታ ስነ ኣእምሮኣዊን ኣካላውን ከምዘጋጥማ ትገልጽ ።

እቲ ትካል ኣብ 2010 ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ካብ ኣስገዳድ መግዛእቲ ኣምሊጦም ኣብ ፍርሕን ጭንቀትን ንዝነበሩ 700 ሰባት እናሓገዘ ይርከብ ። ኣካያዲት መባእታዊ ፕሮግራም እቲ ትካል ሜርሲ ኣቲኖ እቶም ብህይወት ተሪፎም ናብቲ ትካል ዝበፅሑ 80% ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾናን ንዝተፈላለየ ስነ ኣእምሮኣዊ ቅልውላውን ዝተቃልዓ ምዃነን ይዛረባ ።

“ ብህይወት ተሪፈን ናባና ዝመፃ ብጭንቀት ተከቢበን እየን ። ካብቲ ዝተፈፀመን በደል ዝብገስ እንታይ ክገብራ ከምዝደልያ ፣ ካበይ ከምዝጅምራ ኣይፈልጣን ። ገዛ የብለንን ። ንደገ ከምዝኸዳ ሰብ ስለዝፈልጥ ክምለሳ ከለዋ ዝሐሸ ነገር ሒዘን ክመፃ እዩ ዝፅበይን ስለዝኾነ ንዘይምምላስ እየን ዝመርፃ ።”

ንሰን ወሲኸን ትካለን ካብ መጥቃዕቲ ተሪፈን ንዝመፃ ዳግም ህይወተን ከመዓራርያ ስልጠናታትን ሓገዛትን ብምሃብ ናብ ልሙድ ናብረአን ክምልሳ ይሕግዝ እዩ ይብላ።

“ ከይዲ እቲ ኣገልግሎት ንኽልቲኡ ዘሳተፈ እዩ ። ነቲ ዝተፈፀመ ጉዳይ ዘፅንዑን እቶም ግዳያትንነባሪ ለውጢ ንክመፅእ ብሓባር ዝሰርሕሉ መገዲ ዝሓወሰ እዩ ። ኣገልግሎታትን ብውልቀ ዝወሃቡን ግዳያት ማእኸል ዝገበረን ብምኳኑ ሓደሓደ ግዜ ነቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ዘይክቅበላ ይኽእላ እየን ። ”

ተጣባቂ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኬንያ ናብ ማእኸላይ ምብራቅ ዝግበር ስደት ሰራሕተኛታት ሰእነት ኣልቦ ስራሕ ኬንያ ካብ 10% ስጋብ ዘይወረደ ክቅፅል እዩ ይብል ። ብተወሳኺ ንሶም ዋና ፀሓፊ ማሕበር ኩዱሄሃ ኣልበርት ነጅሩ ዝኾነ ዓይነት ሞያ ዘይብሎም ኣብ ስደት ወፂኦም ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት ተወሳኺ ጥንቃቀ ክገብሩ የተሓሳስቡ ።

“ነቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ክትረክቡ ፈትኑ ፣ ብዙሕ ሰብ ኣማክሩ ፣ከምኡ'ውን ፀገም ከስዕቡ ናብ ዝኽእሉ ከባቢታት ኣይትክዱ ።”

መራሕቲ ሃርት ኬንያ ከም ናይ ፌዝ ዝበሉ ጉዳያት ምሕጋዞም ከምዝቕጽሉ ክዛረቡ ከለዉ ፤ ፌዝ ድማ ካብቲ ኣብ ስደት ዝወረዳ መከራ ወፂኣ ህይወታ ተመሓይሸሉ ዕድል ብምርካባ ሕጉስቲ እየ ትብል ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኣብ ስደተ ዓመጽ ንዘጋጠመን ዝሕግዝን ዘጣይስን ትካል ኬንያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:39 0:00


XS
SM
MD
LG