ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ምምላስ ጀሚሮም


ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጀሚሮም።

ሎሚ ንግሆ ልዕሊ 490 ሰባት ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ክኾኑ ኸለዉ፡ ክሳብ ዝቕጽላ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ክምለሱ መደብ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ሎ።

ካብ መንጎ`ቶም ሎሚ ዝተመለሱ ዜጋታት፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ከቢድ ግዜ ምሕላፎም ድሕሪ ምጥቃስ ሎሚ`ውን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ`ውን ልዕሊ 42 ሺሕ ዜጋታት ካብ ስዑድያ ከም ዝተመልሱ ድሕሪ ምሕባር፡ ሕጂ`ውን እቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ብዘይ ምቁራጽ ከምዝቕጽል፡ ኣረጋጊጹ`ሎ።

XS
SM
MD
LG