ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣንጻር ውሳነ ምንጻግ ዑቕባ`ታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም


ፓርላማ ስዊዘርላንድ ዘሕለፎ ውሳነ ምንጻግን ምጥራዝን ስደተኛታት ንልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ኤርትራውያን ኣብ ስግኣት ከምዘውደቐ ካብ ኣዳለውቲ`ቲ ሰልፊ ይገልጹ። እቲ ናይ ምንጻግ ሓደጋ ንኻልኦት ኤርትራውያን`ውን ከራኽበሎም ይኽእል`ዩ ይብሉ ወሲኾም።

ነቲ ኩነታት ዑቕባ ኤርትራውያን ዝቕይር ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ስለዝተቐየረ ዘይኮነስ፡ ኣብ ስዊዝ ዘሎ ፖለቲካ ስለዝተቐየረ`ዩ ይብል ሴም ሃይለ-ካብ ነቲ ጉዳይ ዝከታተልዎ ሓደ። ካልእ ካብ ኣወሃሃዲት`ቲ ሰልፊ ሓንቲ ዝኾነት ርግኣት ሓዲሽ ብወገና፡ እቲ ደቂ ስዊዝ ዝሳትፍዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ጎስጓስ፡ ገለ ውጽኢት ከምጽእ ተስፋ ንገብር ትብል።

ምስ ክልቲኦም ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG