ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ዝቖመት ግዝያዊ ጉጅለ ሓካይም ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ተገሊጹ


ብምኽንያት ኣብ ኣስመራ ዝካያድ ዘሎ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊያን ጋንታታት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ(ሴካፋ) ትሕቲ 15 ዓመት ፡ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ስታድዮም ቆይማ ዘላ ግዝያዊት ጉጅለ ሓካይምን ክኢላታትን ንተጻወቲ፡ኣካየድትን ደገፍትን ዘድልይ ሕክምናዊ ረድኤት ትህብ ከምዘላ መራሒ ናይታ ጉጅለ ዶ/ር ሓጎስ ተኽሉ ንንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

እዛ ልዕሊ 20 ኣባላት ዘለዋ ጉጅለ ሓካይም፡ ዘድልይ ሕክምናዊ መሳርሒታትን መድሃኒታትን ዓጢቃ ከምዘላን ክሳብ ሕጂ ንኣስታት 80 ዝኮኑ ሰባት ሓገዝ ህጹጽ ረድኤት ከምዝሃበትን ኣባላታ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG