ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስታድየም ኢንዶኖዥያ ብዘጋጠመ ጽቕጥቕጥን ዕግርግርን 127 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢንዶኖዥያ ኣብ ሓደ ስታድየም ብዘጋጠመ ፅቕጥቅጥ 127 ሰባት ምሟቶም ስዒቡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ንዝኽሮም ሽምዓ ናይ ምብራህ ስነ ስርዓት ትማሊ ሰንበት አካይዶም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሰባት ናይ ኩዕሶ እግሪ ጨርቂ ምልክታት እናበልበሉ ክዝምሩ ዝተራእዩ ክኾኑ ከለው ንፖሊስ ኢንዶኖዥያ ዝነቕፉ ምልክታት ዝሓዙ ካልኦት ሰባት ድማ ዕንበባታት ይብትኑ ነይሮም።

ብስዕረት ዝድግፍዎ ጋንታ ዝጓሃዩ ደገፍቲ ንምብታን ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ድሕሪ ምትኳሱ ብዝተፈጥረ ስንባደን ብዝነበረ ህድማን ንምጥፋእ ህይወት ሰባት ምኽኒያት ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።እዚ ዝወረደ ሞት ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሓደጋታት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዓለምለኸ ፌደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ነቲ ኣብ ስታድዮም ዘጋጠመ ሞት ‘ፀላም መዓልቲ’ክብሉ ፀዊዖምዎ።ፕረዚደንት ኢንዶኖዥያ ጆኮ ዊዶዶ ምርመራ ክግበር ፀዊዖም ኣለው።

ፊፋ ንናይ ውሽጢ ሃገራት ግጥማት ናይ ምቁፅፃር ስልጣን እንተዘይሃለዎ እውን ኣብ ናይ እግሪ ኩዕሶ ስታድየም ዘንብዕ ጋዝ ምጥቃም ከምዘየድሊ ግን ይምዕድ።

XS
SM
MD
LG