ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስታድየም ሻሸመኔ ብዝተፈጥረ ምጽቕቓጥ 3 ሰባት ሞይቶም


ትማሊ ሰንበት ኣብ ስታዲዮም ሻሸመኔ ንጃውሃር መሓመድ ንምቕባል ኣብዝተዳለወ ስነስርዓት ብዝተፈጥረ ምፅቕቓጥ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 71 ድማ ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ናይታ ከተማ ኣፍሊጡ።ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዝተፈፀመ ግፍዒ ንባህልና ኣይውክልን ክብሉ ነበርትን ሰበስልጣን እታ ከተማ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቴሌቭዥን ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔት ዎርክ ጀውሃር መሓመድ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ናብ ሻሸመኔ ኣብ ዘምርሓሉ ንዕኡ ንምቕባል ኣብ ስታድዮም ህዝቢ ኣብ ዝተአኸበ ኽከውን ከሎ እቲ ግጭት ዝተለዓለ ሓደ ሰብ ቦምብ ሒዙ ብዝብል ብዝተፈጥረ ናይ ሓሶት ወረ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ንሱን ካልኦት ክልተ ሰባትን ምሟቶም ገሊፆም።

እቲ መቕተልቲ ንኦሮሞ ኣይገልፅን ክትብል ሓንቲ ወሃቢት ርእይቶ ገሊፃ።ካልእ ነባሪ እውን ኣዚዩ ከምዘሕዘኖ ይገልፅ።

“ትማሊ ኣብ ሻሸመኔ ዝተፈፀመ ነገር ኣዚዩ ኣዚዩ ኣሕዚኑኒ እዩ።ዝተሰቐለ ሰብ ኣውርድዎ ኢልና ኣብ እግሮም ወዲቕና ክሳብ ምልማን በፂሕና።ነዚ ዝፍፅሞ ኣይንፈልጥን።”

እቲ ሰብ ቦምብ ሒዙ ዝብል ዝተነዝሐ መሰረት ዘይብሉ ወረ ህይወት ሰብ ብዘይኣግባብ ምጥፍኡ ኣዚዩ ኣሕዚኑና ዝበለ ፖሊስ እታ ከተማ ዋላ ሓደ ቦምብ ኣይተረኽበን ኮነ ተባሂሉ ህውከት ንምፍጣር ዝተነዝሐ እዩ ኢሎም ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሻሸመኔ ኮማንደር መኮነን ታደሰ።

“እቲ ሕብረተሰብ እውን ኣዚዩ ተሰሚዑዎ እዩ።ብመንፅር ባህሊ፣ሕጊ፣ኣዚዩ መነወሪ ዘሕፍር ተግባር እዩ ተፈፂሙ።ዋላ ሓደ ነገር ዘይገበረ ሰብ ከምዚ እዩ ስለዝተብሃለ ኣባሪርካ ከምዚ ምግባር ኣግባብ ኣይኮነን።እቲ ሰብ ዝሓዞ ቦምብ የለን ኣብታ ከተማ ዝተረኽበ ቦምብ እውን የለን።”

ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር መኮነን ታደሰ ጥራይ ዝባኑ ስለ ዝነበረ መንነት ወረቐት ይኹን ካልእ ብዘይምርካቡ መንነት መዋቲ ክሳብ ሕዚ ኣይተፈልጠን ስድርኡ ንምርካብ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም ኣለው ።

ከንቲባ ከተማ ሻሸመኔ ኣቶ ደስታ ብወገኑ ነዚ ገበን ዝፈፀሙ ገበነኛታት ኣብ ዝኣተውዎ ኣቲና ክንሕዞም ኢና ኢሎም ኣለው።

ኣብቲ ስታድዮም ብዝወረደ ፅቕጥቕጥ 71 ሰባት ቖሲሎም ሆስፒታል ከምዝኣተው ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ስታድየም ሻሸመኔ ብዝተፈጥረ ምጽቕቓጥ 3 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:30 0:00

XS
SM
MD
LG