ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስሪላንካ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጕ 250 ሰባት ሞይቶም


ፖሊስ ስሪላንካ ሎሚ ኣብ ዋና ከተማ ኮሎምቦ ካልእ መጥቓዕቲ ነታጊ ከምዘጋጠመ ገሊጹ።

ሓደ ናይ ውሽጢ ሃገር ዕጡቕ ሚሊሽያ ምስ ካልእ ዓለምለኸ ጉጅለ ብምዃን ትማሊ ሰንበት ኣብ እዋን በዓል ፋሲጋ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናትን ዓበይቲ ሆቴላትን ብዘኻየዶ መጥቓዕትታት 290 ሰባት ክሞቱ ከለው ካልኦት ልዕሊ 500 ቆሲሎም።

ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተረኽበ ቪድዮ ከምዘርእዮ እቲ ሎሚ ሶኑይ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከተማ ኮሎምቦ ክኸውን ከሎ ኣብ ህይወት ሰብ ግን ዝበጽሓ ጉድኣት የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ስሪላንካ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጕ 250 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:51 0:00

XS
SM
MD
LG