ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሴኔጋል ብዘጋጠመ ሓደጋ 19 መካይን ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሰሜናዊ ሴነጋል ሓንቲ ኣውቶብስን ምስ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪናን ብምግጫዋ 19 ሰባት ሞይቶም: ካልኦት 25 ሰባት ኸኣ ቆሲሎም። ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ምክልኻል ሓደጋ ሓዊ እታ ሃገር እዚ ናይ ሕጂ ሓደጋ ዘጋጥም ዘሎ ድሕሪ እቲ 40 ሰባት ዝሞትሉን ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሰባት ዝቆሰሉሉን ቅድሚ ሸሞንተ መዓልታት ዘጋጠመ ካልእ ሓደጋ እዩ።

ፕረዚደንት'ታ ሃገር ማኪ ሳል ብትዊተር ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ 19፡ ህይወት ዘጥፍአ ካልእ ሓደጋ መኪና ድሕሪ ምባል ደሕንነት መንገድታት ምሕያል ከምዘድሊ ዘጉልሀ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሴነጋል ሓደጋ መኻይን ዝውቱር እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ብሰንኪ ዘወርቲ ዝፍጽምዎ ጌጋ ዘጋጥም እዃ እንተኾነ ናይ መንገድታትን መኻይንን ጸገም
እዉን ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኪኢላታት ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG