ዋሽንግተን —
ኣብ ሱዳን ዓመታዊ በጀት እታ ሃገር ክሕግዝ ተባሂሉ ሚኒስትሪ ኢነርጂ ዋጋ ነዳዲ ብዕፅፊ ክውስኽ ብምግባሩ ዝተቖጥዑ ሱዳናውያን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሰልፍታት ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣብ ሱዳን ዋጋ ነዳዲ ኣርባዕተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸን: ኣብ 2019 ዝተገብረ ወሰኽ ንፕረዝዳንት ነበር እታ ሃገር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክባረሩ ዓብዪ ግደ ከምዝነበሮ ይዝከር።