ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ዓብይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ


ሱዳናዊያን ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-ባሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝገበረ ዓመፅ ሳልሳይ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ብስቪል ዝምራሕ መንግስቲ ክሕልው ዝጠልብ ተቓውሞታት ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት'ታ ሃገር አካይዶም ።

እቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ሰልፊ ቀዳማይ ሚንስትር ዓብዳላህ ሓምዶክ ሳልሳይ ናይ ስግግር መንግስቲ ንምጥያስ "ምርግጋእን ሓድነትን’’ሱዳን ኣብ ሓደጋ ወድቑ'ሎ ክብሉ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ምግላፆም እዩ።

ከቢድ ናይ ፀጥታ ሓለዋ፣ዘንብዕ ጋዝን፣ምዕጻው መንገድታትን እንተነበረ እውን ሰልፈኛታት ናብ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ብምምሕር ድምጾም ኣስሚዖም'ዮም።

ገሊኦም ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ኣል ባሺር ካብ ስልጣኖም ካብ ዝወርዱ ናብራን ፀጥታን ኣይተለወጠን ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG