ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥትን ብዝተላዕለ ግጭት 13 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ናብ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ማእከል ጥሒሶም ብምእታዎም ብዝተፈጥረ ግጭት 13 ሰባት ሞይቶም። እዚ ድሕሪ ምውዳቕ ን30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ፕረዚደንት ኣል በሽር ዝከፍአ ጎነጽ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘግሓ ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተረጋገጹ ቪድዮታት ሰባት ካብ ጎደናታት ክሃድሙን ንዝቆሰሉ ተሸኪሞም ክሃድሙን ድምጺ ተኹሲን የርእዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ዓይኒ መሰኻክር እቲ ግጭት ዝተፈጥረ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልካል’ታ ሃገር ንኣዋርሕ ክካየድ ዝቐነየ ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ኣብ ዝተበተነሉ ጊዜ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት’ታ ከተማ ብምውሓዞም ዝተፈጥረ ምኳኑ ይገልጹ።

ሓደ ካብ ቀንዲ ተቓዋሚ ውድብ ዝኾነ ማሕበር ሞያዊያን ሱዳን ነቲ ናይ ተቓውሞ ማእከል ምፍራስ ተሓታቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ፍጻመ “ጃምላዊ ቅትለት”ዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ብወገኑ ነቲ ናይ ተቓውሞ ማእከል በቲኑ ንዝብል ክሲ ብምንጻግ ሓይልታት ጸጥታ ዒላማ ዝገበርዎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዘይሕጋዊያን ጉጅለታት’ዩ ኢሉ።

ጥምረት ናይ ተቓወሞ ሰልፈኛታትን ተቓወምቲ ውድባትን ነዚ ናይ ሎሚ ሶኑይ ፍጻመ ስዒቡ ምስ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ዘካይድዎ ዝነበረ ልዝብ ደው ከምዘበሉ ይገልጹ ኣለው።

መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርቱ ከምዘፍቕድ ግን ኸአ ላዕለዋይ መዝነት እቲ ወታሃደራዊ ክፍሊ ክቆጻጸሮ ክብል ከሎ ተቓወምቲ ከአ ንህዝቢ ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ዝመርሕ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምስረት ይጠልቡ ኣለው።

ማሕበር ሓካይም ሱዳን ኣብቲ ናይ ሎሚ ሶኑይ ጎነጽ 13 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 116 ምቁሳሎምን ሓቢሮም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሌተናል ጀነራል ሸምስ ኢል ዲ ካባሺ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ገበነኛታት ዒላማ ብምግባር ነቲ መጥቓዕቲ ምክያዶም ገሊጾም ኣለው።

ናይ ብሪጣንያ ኣምባሳደር ኣብ ሱዳን ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ኮይኖም ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ድምጺ ተኹሲ ምስምዖም ብምግላጽ እቲ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም ሓቢሮም ኣለው።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን እውን ነቲ መጥቓዕቲ “ግጉይ” እዩ ድሕሪ ምባል ደው ክብል ጸዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG