ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ንካልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ባንክታት'ታ ሃገር ስራሕ ደው ምባለን ተገሊጹ


ሎሚ ረቡዕ ኣብ መላእ ሱዳን ዝተኻየደ ተቓውሞ ባንክታት'ታ ሃገር ስራሕ ደው ምባለን ተገሊጹ።

ኣባላት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝበጽሕወን ባንክታት ከተማ ካርቱም ተዓጽየን ከምዝነበራን ገንዘብ መወጽኢ ሜሽን ንመዓልታት ብዘይ ገንዘብ ምቕናየን'ውን ሓቢሮም። ሰራሕተኛታት ባንክታት እውን ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝጠልብ ንካልኣይ መዓልቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምሕዋሶም ተፈሊጡ'ሎ።

ሓይልታት ኣዋጅ ንናጽነትን ለውጢን ዝተባህለ ተቓዋሚ ሕብረት ሱዳን ንኩሎም ሰራሕተኛታት ብሕቲን ህዝባዊ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ናይ ክልቲ መዓልታት ተቓውሞ ከካይዱ ምጽውዖም ይዝከር።

ይኹን ደአ እምበር መጉዓዝያ ምድሪን መዓርፎ ነፈርቲ'ታ ሃገርን ግን ኣገልግሎት ከምዘየቋረጻን ኣብያተ ንግዲ'ውን ተኸፊቶም ምንባሮም ተፈሊጡ'ሎ።

ሓይልታት ኣዋጅ ንናጽነትን ለውጢ ምስ ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ ቤት ምክሪ ዝካየድ ልዝብ ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሑ መዝነት ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር እንተዘይተመሓላሊፉ ተቓውሞ ኣብታ ሃገር ክቕጽል ጸዊዑ'ሎ።

XS
SM
MD
LG