ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ምስ ዘይተዓወተ ዝበልዎ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብዝተሓሓዝ ኣዛዚ ሰራዊት’ታ ሃገር ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጾም።
ብመሰረት መግለጺ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ’ታ ሃገር ኣዛዚ ሰራዊት’ታ ሃገር ጀነራል ሃሽም ዓብደል ሙጠሊብ ባቢከር ዝርከቦም ብዓሰተታት ዝቑጸሩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ካብ መዝነቱ ዝተአለየ ፓርቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ብዕልዋ ክመልሱ ፈቲኖም ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይገልጽ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ሱና አባላት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ከምኡ’ውን መራሕቲ እስላማዊ ምንቅስቃስን ሃገራዊቤት ምኽሪን ምስቲ ዕልዋ ምትሓሓዝ ከምዘለዎም ሓቢሩ’ሎ።
ይኹን ደአ እምበር እቲ ዕልዋ መዓስ ከምዝተፈተነ ብርግጽ ኣይሓበረን። ነታ ሃገር ን30 ዓመታት ዝመርሑ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ መዝነቶም ካብ ዝእለዩ ንደሓር እዚ ካልኣይ ዕልዋ ይካየድ ምህላው ይፍለጥ። ኣብቲ ኣብ ሓምለ 11 ተፈቲኑ ዝተባህለ ዕልዋ ኣስታት 16 ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲን ኣብ ጥሮታ ነበረኡ 11 ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታውም ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ’ታ ሃገር ምግላጾም ይዝከር።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ወታሃደራዊ ቤት ምክሪ’ታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ምስግጋር ስልጣን ነታ ሃገር ምስ ተቓወምቲ ብምሕባር ንምምሕዳር ዝተበጽሓ ስምምዕ ንምዝዛም ጻዕርታት የካይዱ ኣለው።