ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ 5 ሰባት ምሟቶም ተቓወምቲ ገሊጾም


ሱዳናዊያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት ጸጥታ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ምዕራባዊ ምምሕዳር’ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዶ ዝነበሩ ተማሃሮ ብጎነጽ ምብታኖም ገሊጾም።

ዕላማ’ቲ ሰልፊ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ናይ ተቓውሞ ቦታ ዝተኻየደ ግጭት ዝምልከት ብወታሃደራዊ ኣመራርሓን ዓቐብቲ ሕጊን ዝካየድ ሓባራዊ ምርመራ ንምቕዋም እዩ።

ኣብ ሱዳን ብዝተኻየደ ተቓውሞ 5 ሰባት ምሟቶም ተቓወምቲ ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:12 0:00

ማእከላይ ኮሚተ ማሕበር ሰብሞያ ሱዳናዊያን ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ከተማ ኦቢድ ሰሜናዊ ኩርዱፋን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ንምብታን ጥይት ምትዃሶም ገሊጾም።

ብተወሳኺ ገለ ሰባት ምቁሳሎም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን ኣብ ዝዘርግሖ ነቲ ኣብ ከተማ ኦቢድ ዝነበረ ተቓውሞ ዘርእይ ቪድዮ ድምጺ ጠያይቲ ይስማዕ ምንባሩ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ተመሳሳሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ካርቱም ምክያዱ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG