ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ብዝተላዕለ ግጭት 3 ሰልፈኛታትን 1 አባል ፖሊስ ሞይቶም


ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ትማሊ ሶኑይ ብዝተላዕለ ግጭት ሓደ አባል ፖሊስን ሰለስተ ሰልፈኛታት ሞይቶም፡ ብዝሒ ዘለዎም ካልኦት ድማ ምቁሳሎም ተገሊጹ።

እቲ ግጭት ዝተላዕለ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገርን ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣብ ፖለቲካዊ ምስግግጋር’ታ ሃገር ዝምልከት ሎሚ ሶሉስ ክዘራረቡ ተመዲቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ሱዳን ብዝተላዕለ ግጭት 3 ሰልፈኛታትን 1 አባል ፖሊስ ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:15 0:00

ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ደገፍቲ’ቶም ካብ መዝነቶም ዝተባረሩ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ስልጣን ናብ ብሲቪል ዝምራሕ መንግስቲ ንምስግጋር ዝግበር ጻዕርታት የተዓናቕፉ’ለው ክብል ይኸስስ።

በቲ ግጭት ሓደ አባል ፖሊስ ምሟቱ እንተተገልጸ’ኳ ወታሃደራዊ ሓይልታት’ታ ሃገር ግን ብዛዕባ’ዚ መብርሂ ኣይሃበን።

ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ምስ ኣዋጅ ናጽነትን ጥምረት ሓይልታት ለውጢ ዝተባህሉ ተቓወምቲ ውድባት ብዛዕባ ወታሃደራዊን ሲቪላዊን ስልጣን ሚዛናዊ ጌርካ ኣብ መሰጋገሪ አካል ንምጥማርን ንክንደይ እዋን ይጽናሕን ምርጫን ዝምልከት ቀንዲ ነጥብታት ንምዝርራብ ሎሚ ክራኸቡ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዓቓቢ ሕጊ ሱዳን ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽርን ካል ት ሰበ ስልጣንን ንሞት ሰልፈኛታት ዝምልከት ክሲ ምቕራቡ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG