No media source currently available
ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ትማሊ ሶኑይ ብዝተላዕለ ግጭት ሓደ አባል ፖሊስን ሰለስተ ሰልፈኛታት ሞይቶም፡ ብዝሒ ዘለዎም ካልኦት ድማ ምቁሳሎም ተገሊጹ።እቲ ግጭት ዝተላዕለ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገርን ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣብ ፖለቲካዊ ምስግግጋር’ታ ሃገር ዝምልከት ሎሚ ሶሉስ ክዘራረቡ ተመዲቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ።።